ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬነዝ ካውንዳ ኣብ መበል 97 ዓመት ዕድሚኦም ዓሪፎም


መስራቲንን ኣቦ ሃገረ ዛምቢያን ዝባሃሉ ዶ/ር ኬነዝ ካውንዳ ኣብ መበል 97 ዓመት ዕድሚኦም ሎሚ ዓሪፎም።

መንግስታዊ መግለጺ ሎሚ ከምዝሓበሮ ቀዳማይ ፕረዚደንት ዛምቢያ ዝነበሩ ኬነዝ ካውንዳ፣ ኣብ ሕክምና ማእከል ሉሳካ ከለው ከምዝዓረፉ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ብመሰረት’ዚ፣ ዝቅጽሉ ሰለስተ ሰሙናት እዋን ሓዘን ንክኾውን መንግስቲ ዛምቢያ ኣዊጁ፣ ካብ’ዚ ዕለት’ዚ ጀሚሩ ኩሎም ዓይነታት መዛነዪ መደባት ተቋሪጾም ኣለው፣ ባንዴራ’ታ ሃገር ድማ ትሕት ኢላ ከተንበልብል'ያ።

XS
SM
MD
LG