ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

1 ካብ 4 ሰባት ካብ ህዝቢ ዓለም ዋሕዲ ማይ ከምዘንጸላልዎ ተመራመርቲ ገሊጾም


ሓደ ርብዒ ካብ ህዝቢ ዓለም ሓደገኛ ኩነታት ስእነት ማይ የንጸላልዎም ከምዘሎ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ሓደ ትካል ምርምር ትማሊ ሶሉስ ኣጠንቒቑ። እቲ ትካል ብተወሳኺ ሃገረ ህንዲ ቀንዲ ግዳይ እዚ ስእነት ማይ ኮይና ከምዘላ ሓቢሩ’ሎ።

ኢንስትዩት ሃብቲ ዓለም 17 ሃገራት ዓለም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ስእነት ማይ ከምዝርከባ ብምግላጽ ምክንያቱ ድማ እዘን ሃገራት 80 ሚእታዊት ካብ ዓመታዊ ዘለወን ትሕዝቶ ማይ ብምውዳኣን ምዃኑ ይሕብር። ብተወሳኺ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ እቲ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ይጋደድ ምህላው ኣረዲኡ’ሎ።

ዳይሬክተር ፕሮግራም ማይ ዓለም’ቲ ትካል በትሲ ኦቶ ”ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓለምለኸ ቀውሲ ማይ ኢና ንርከብ” ትብል።

ካብቲ ትካል ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ ካብተን ዋሕዲ ማይ ዘንጸንላለወን ዘሎ 30 ሃገራት ዝበዝሓ ኣብ ማእከላይ ባሕሪን ሰሜን ኣፍሪቃ ይርከባ ይብል።

ቀጠር እታ ቀንዲ ዋሕዲ ማይ ዘንጸላለዋ ሃገር ክትኸውን ከላ እስራኤልን ሊባኖስን ድማ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ይስረዓ።

ህንዲ ዋላ’ዃ ኣብ መበል 13 ደረጃ ትርከብ እንተኾነት ምስ ዘለዋ ብዝሒ ህዝቢ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ስእነት ማይ ከጋጥመን ተኽእሎ ዘለወን ሃገራት ምኳኑ ተጠንቕቅ።

ተመሳሳሊ ኩነታት ኣብ ከተማ ኬፕ ታውን ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሳው ፓውሎ ብራዚል ኣብ 2015 ምግጣሙ ይዝከር።

ኢንስትዩትት ሃብቲ ማይ እዚ ዋሕዲ ማይ ዘጋጥም ዘሎ ዝተፈላለየ ምክንያት ኽከውን ከምዝክእል ብምግላጽ ለውጢ ክሊማ፡ ብከላን ስእነት ሰናይ ምሕደራ ማያዊ ርስሓት ገለ ካብቶም ቀንዲ ጠንቕታት ክኾኑ ከምዝክእል ይገልጽ።

ኢንስትዩትት ሃብቲ ማይ ካብ 1960 ክሳብ 2014 ኣብ ዘሎ ጊዜ ዘሎ መጠን ማይ 189 ሃገራት ብምርኣይ ነዚ ሪፖርት ምውጽኡ ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG