ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ጂግጂጋ ናብ ሃረርን አዲስ አበባን ዝወስድ መንገዲ ምዕጻው ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ጂግጂጋ ናብ ሃረርን ኣዲስ ኣበባን ዝወስድ መንገዲ ኣብ ባሌ ተዓፂዩ።ነቲ መንገዲ ዝተዓፀው ብሰንኪ ግጭት ክልላት ኦሮሞን ሶማሌን ዝተበዛበሉ ተወላዶ ኦሮሞ መንግስቲ ትኹረት ክህቦም ንምሕታት እዩ ተባሂሉ’ሎ።ምምሕዳር ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ምስ ሰራዊት እዚ ምብራቕ ብምትሕብባር ነቲ ኩነታት ንምፍታሕ ፃዕሪ የካይድ ኣለኹ ኢሉ’ሎ።

ምምሕዳር ኣቶ ለማ መገርሳ ንኦሮሞ ተመዛበልቲ ዕሽሽ ኢሎምዎም ብዝብልን ናብ ናይ ቀደም መነባብሮና ክንምለስ ኢና ዝብል ሕቶን ከምዘለዎም ሓላፊ ፖሊስ ምብራቕ ሃረርጌ ኮማንደር ኣወል ሱልጣን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።ነቲ መንገዲ ምስ ዝዓፀው ተመዛበልቲ ንላዘብ ኣለና እውን ኢሎም።

ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ መንገድታት ብተደጋጋሚ ብምዕፃው ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፀቕጢ ንምፍጣር ፈተና ክኻየድ ፀኒሑ’ሎ።ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ክልል ዓፋር፣ኣብ ሶማሌ፣ሕጂ ድማ ኣብ ክልል ኦሮሚያ መንገድታት ተዓፂዮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG