ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ዝተመዛበሉ ሰብኣዊ ቅልውልው የጋጥሞም ኣሎ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ህውከት ዝተመዛበሉ ልዕሊ 800 ሽሕ ሰባት ዝናብ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን እኹል መፅለሊ ስለዘይብሎም ሰብኣዊ ቅልውላው የጋጥሞም ኣሎ ክብል ዓለምለኸ ትካል ፍልሰተኛታት(IOM) ሓቢሩ።

እዞም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝተመዛበሉ ብሰንኪ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መንጎ ዓሌታት ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ዞባታት ጌዶንን ምዕራብ ጉጂን ዝተለዓለ ግጭት እዮም።

መብዛሕቲኦም ዝተመዛበሉ ምስ ኣዝማዶም፣ወይ ተኻሪዮም ይነብሩ ካልኦት ድማ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፣መንግስታዊ ህንፃታትን ካብ ጥቅሚ ወፃኢ ዝኾኑ ፋብሪካታትን ኣፅሊሎም ከምዝርከቡ ወሃቢ ቃል ትካል ዓለምለኸ ፍልሰተኛታት ጆል ሚልማን ገሊፆም።

ተመዛበልቲ እኹል መግቢ ከምዘይብሎም እውን ትካላት ረድኤት ይገልፃ ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG