ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ዩክሬን ናብ ፖላንድ ዝሃደሙ ኣፍሪቃዊያን ተማሃሮ


ካብ ዩክሬን ናብ ፖላንድ ዝሃደሙ ኣፍሪቃዊያን ተማሃሮ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:50 0:00

ካብ ዩክሬን ናብ ፖላንድ ዝሃደሙ ኣፍሪቃዊያን ተማሃሮ

ቅድሚ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ዝምሃሩ ኮኑ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣፍሪቃውያን፡ ዑቕባ ንምርካብ ናብ ፖላንድን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ሃዲሞም ኣለዉ።

ኣንጀላ ኣለክስ ታንዛንያዊት ኮይና ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሕክምና ኪይቭ ትመሃር ዝነበረት`ያ። ካብ ኩናት ዩክሬን ሃዲማ ናብ ፖላንድ ክትጉዓዝ ከላ፡ ምስ ናይጀራዊት ተማሃሪት ካልእ ዩኒቨርሲቲ ዩክሬን ተራኺባ። እቲ ጉዕዞ ከቢድ ምንባሩ ትገልጽ ኣንጀላ፡ ቅድሚኡ ኣብ ዩክሬን ከላ ዝነበረ ሂወታ ከምዚ ክትብል ትገልጾ፡"ከም ዓድና ዘለና ኮይኑ`ዩ ዝስምዓና ኔሩ። ብዘይካ ቋንቋን ካልእ መሰናኽላትን ህይወትና ከም ንቡር ኢና ንመርሕ ዝነበርና"ድሕሪ ምባላ፡ ህይወታ ናብ ከምዚ ደረጃ ወዲቑ፡ ኣብ ፖላንድ ከም ስደተኛ ክትነብር ሓሲባ ከም ዘይትፈልጥ ትገልጽ።

ካልእ ካብ ናይጀርያ ንትምህርቲ ዝኸደት ተመሃሪት ቀዳማይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ ጉድነስ ኢፋቡሙዪ ብወገና፡ ሩስያ ንዩክሬን ወሪራ ምስ ሰምዐት ቀልጢፋ ክትወጽእ ከምዝወሰነት ትገልጽ፡"ከቢድ ናይ ቦምብ ድምጺ ክንሰምዕ ጀሚርና፡ መደቀሲና`ውን ክንቅጥቀጥ ጀሚሩ። ርሑቕ ዝነበርና`ዩ ዝመስለና ኔሩ፡ ሓደ መዓልቲ ግን ንግሆ ምስ ተንሳእኩ፡ ትኪ ካብ ርሑቕ ናባና ገጹ ክመጽእ ምስ ረኣኹ፡ ክወጽእ ተበጊሰ፡ ግን መዓርፎ ነፈርቲ ተዓጽዩ ኔሩ፡ ስለዚ ኣቑሑተይ ጠርኒፈ ብዶብ ናብ ፖላንድ ክጉዓዝ ወሲነ" ትብል።

እዘን ክልተ ኣፍሪቃውያን ሕጂ ምስ ፖላንዳውያን ሰብ ሓዳር ተጸጊዐን ይነብራ ኣለዋ።

ኣንጀላን ጉድነስን ሓዲሽ ሂወት ጀሚረን ኣለዋ ኣብ ፖላንድ፡ ናብ ዩክሬን ናይ ምምላስ ተስፋ ኣይረኣየንን። ግን ብኦንላይን ትምህርተን ይከታተላ ኣለዋ: ክሳብ ትምህርተን ኣብ ኤውሮጳ ተኸታቲለን ኣጠናቒቐን ዝውድኣ መጻኢ መደባተን`ውን ናብ ኣፍሪቃ ምምላስ ኣይኮነን።

XS
SM
MD
LG