ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ የመንን ኢትዮጵያን ተበጊሱ ናብ ኤርትራ ዝሰገረ ዕስለ ኣንበጣ፥ኣብ ገለ ከባብታት ከምዝተራእየ ሚ/ሕርሻ ኣፍሊጡ

ካብ የመንን ኢትዮጵያን ተበጊሱ ናብ ኤርትራ ዝሰገረ ዕስለ ኣንበጣ፥ኣብ ከባብታት ፎሮ፡ገላዕሎ፡ቃሩራ፡ ኣፍዓበትን ጊንዳዕን ከምዝተራእየ ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ኣፍሊጡ።

ነቲ ዕስለ ኣንበጣ ንምቁጽፃር ድማ፡ ናይ መንጸጊ ማሺናት ተመዲበን፡ ቅድሚ ሓደጋ ምብጽሑ ናይ ምክልኻል ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ'ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ኣብ ክልል ትግራይን ገለ ካልኦት ክልላትን ወራር ኣንበጣ ከምዝተራእየ ምሕባርና ይዝከር።

This item is part of
XS
SM
MD
LG