ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ 700,000 ሰባት ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ኮሚሽን ሓደጋን ስግኣትን'ቲ ክልል ገሊጹ


ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ዝረአ ናይ ፀጥታ ፀገም ብዝተኣሳሰር ልዕሊ 700,000 ሰባት ካብ መንበሪኦም ምዝንባሎም ናይቲ ክልል ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ኮሚሽን ገሊፁ።

ምኽትል ኮሚሽነር'ቲ ኮሚሽን ኣቶ ገረሙ ኦሊቃ እቶም ፍርቂ ሚሊዮን ናይ መግቢ ሓገዝ ዘድልዮም ምዃኖም:እቲ ኮሚሽን ሓገዝ የቕርብ ከምዘሎ ገሊፆም።ኣቶ ገረሙ ዝበዝሑ ተመዛበቲ ካብ ክልቲኦም ናይ ጉጂ ዞባታትን ናይ ምዕራብ ኦሮሚያ ዞባታትን ከምዝኾኑ'ውን ወሲኾም ሓቢሮም ።

ናይቲ ክልል ጉዳይ ፀጥታ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮሚያ ዓብይ ኣጀንዳ ዝነበረ ኮይኑ ናይቲ ክልል ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ድሕነትን ኣቶ ሻፊ ሑሴን መንግስቲ ናይቲ ክልል ፀጥታ ናብ ንቡር ንምምላስ ይሰርሕ ከምዘሎ ነቲ ቤት ምኽሪ ተዛሪቦም ነሮም።

XS
SM
MD
LG