ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ዝሃደሙ ስደተኛታት ዝሞቱን ዝቆሰሉን ከምዘለው ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ሓቢሩ


ኣብ ሊብያ ብዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ዝተታሕዙ ብኣሰርተታት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ ገለ ካብ ም ከምዝሞቱን ካልኦት ድማ ከምዝቆሰሉ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣፍሊጡ።

ካብቶም 200 ግዳያት ኤርትራዊያን ኢትዮጵያዊያንን ሶማልያዊያን ከምዝርኸብዎም'ውን ተፈሊጡ'ሎ።


እዚ ዝኾነ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ከተማ ትሪፖሊ ብሸነክ ምብራቅ 180 ኪ.ሜ ርሒቃ ኣብ ትርከብ ባኒ ወሊድ ምኳኑን እዚ ድማ ብዘይሕጋዊን ኣስገርቲ ዝተኻየደ ዳሕረዋይ ዘሰንብድ ፍጻሜ'ዩ ክብል ትካል ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ'ሎ።

ካብቶም ዘምለጡ ብዝተረኽበ ሓበሬታ እቶም ስደተኛታት ካብቶም ሒዞሞም ዝነበሩ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ ጥይት ከምዝተተኮሰሎምን ገለ ካብቶም ከምዝሞቱን በቶም ኣስገርቲ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ተታሒዞም ከምዝነበሩን ስቅያት ከምዝተፈጸመሎምን ሓቢሮም።

ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብቶም ዝሃደሙ 40 ዝኾኑ ሰበስልጣን ሊብያ ናብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ከምዝወሰድዎም: ካብቶም ዝሃደሙ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከምዝርከብዎምን እቶም ዑቕባ ዘድልዮም ናይ ምማይ መስርሕ ይካየድ ከምዘሎን ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG