ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ክልል ሶማሌ ዝተመዛበሉ ብሰንኪ ክራይ ገዛ ኣብ ጎልጎል ተደርቢና ክብሉ የማርሩ


ካብ ክልል ሶማሌ ተመዛቢሎም ኣብ ቢሾፍቱ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ንኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ ገዛ ክራይ ክኸፍለልና ቃል ኣትዩ እንተነበረ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ግን ኣብ ጎልጎል ተደርቢና ንርከብ ክብሉ የማርሩ።

ኣብ መንጎ ነበርቲ ክልል ኦሮምያን ሶማሌን ብዝተፈጥረ ግጭት ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ክነብሩን ክሕገዙን ጸኒሖም እዮም።

ከተማ ቢሾፍቱ ሓደ ሽሕ ስድራ ቤታት ከተተአናግድ ብዝተወሰነ መሰረት በብደረጃ ስድራ ቤታት ስራሕ ክረኽቡን ገዛእርእሶም ከመሓድሩን ጻዕርታት ክግበር ዝጸንሓ ኮይኑ ገለ ካብኡ ንኣስታት 510 መንእሰያት ስልጠና ብምሃብ ኣብታ ከተማን ከባቢኡን ዝርከባ ፋብሪካታት ክሰርሑ ተመዲቦም እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG