ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ክልል ትግራይ ዝተፈናቐሉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ሰሜን ወሎ ይኣትው ምህላው ተገሊጹ


ካብ ክልል ትግራይ ዝተፈናቐሉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ሰሜን ወሎ ይኣትው ምህላው ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:41 0:00

ካብ ክልል ትግራይ ዝተፈናቐሉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ሰሜን ወሎ ይኣትው ምህላው ተገሊጹ

ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ትግራይ ዝተፈናቐሉ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ሰሜን ወሎ ይኣትዉ ከምዘለዉ ይግለጽ ኣሎ።

ንሳቶም ብሰንኪ ሕሰም ናብራን ስእነት ሰላምን ከባቢኦም ምሕዳጎም ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም ኣለዉ። ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ እቲ ምኽንያት መሰረታዊ ሸቐጣት ናብ ክልል ትግራይ ከይኣቱ ምኽልካሉ`ዩ ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ኣዋርሕ ጥራሕ፡ ልዕሊ ሓሙሽተ-ሺሕ ዝኾኑ ተፈናቐልቲ ክልል ትግራይ ኣብ ደቡብ ወሎ ናብ ዝርከብ `ጃሪ` ዝተባህለ መዕቆቢ ከምዝኣተዉ፡ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ሰሜን ወሎ ይገልጽ።

መደበር ፖሊስ ከተማ ቆቦ፡ ካብ ትግራይ ንዝመጹ ተፈናቐልቲ ኣብ ምትእንጋድን መንነቶም ኣብ ምጽራይን ስለዝተጸምደ ስሩዕ ናይ ጸጥታ ስርሑ ክፍጽም ከምዝተጸገመ ይገልጽ።

በዓል ሓዳርን ኣቦ ቆልዑን ምዃኑ ዝገለጸን ንድሕነት ቤተሰበይ ክብል ሽመይ ኣይጠቐሰለይ ዝበለን ተፈናቓላይ፡ ካብ መቐለ ተበጊሱ ናብ ኣላማጣ ብመኪና፡ ካብ ኣላማጣ ናብ ዋጃ ብባጃጅ ፡ ካብኡ ግን ክሳብ`ቲ ሰራዊት ምክልኻል ዘለዎ ዶብ ቆቦ ናይ ሰለስተ ሰዓት ኣድካሚ ናይ እግሪ ጉዕዞ ቆቦ ከምዝኣተወ ይገልጽ።

ካብ መቐለ ዝወጻሉ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ ድማ “ገንዘብ የለን ኣስቤዛ`ውን ክቡር`ዩ፡ ብኽቡር`ኳ ከይትገዝእ እቲ ብር`ውን የለን። በዚ ምኽንያት ኢና ናብ ማእከል ሃገር መጺና ዘለና። ኣነ ሕጂ ደቀይ ሰበይተን ገዲፈ`የ መጽየ” ይብል።

ኣልፊያ ኑርሑሰን ዝተባህለት ነባሪት ከባቢ መኾኒ ድማ ብሰንኪ ስእነት ሰላምን ስእነት ስራሕን ከባቢኣ ሓዲጋ ክትወጽእ ከምዝተገደደት ትገልጽ።

ብኻልእ ወገን ካብ መቐለ ዝመጸ ወሃቢ ርእይቶ ካብ ዓለም-ለኸ ትካላት ረድኤት ዝውሃብ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ`ኳ እንተኾነ ብግቡእ መንገዲ ናብ ህዝቢ ኣይባጻሕን ኣሎ ይብል።

“ረድኤት እንተኣተወ`ውን ብግቡእ ኣይውሃብን`ዩ፡ ክኣቱ ንርእዮ ኢና ግን ሰብ ክሓትት ኣይክእልን`ዩ፡ ኣነ ረድኤት ተገይሩለይ ወይ ተቐቢለ ኣይፈልጥን`የ “ ይብል።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ኣብ ቀረባ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡን መሻርኽቲ ዩ.ኤስ.ኣይ.ዲ ዘንቀሳቕስዎምን መኻዚኖታት ብመግብን ህይወት ኣድሕን ቀረባት መሊኦም ከምዝርከቡ ተዛሪቡ ኔሩ።

ኣምባሳደር ትሬሲ ጃኮብሰን ዝሓለፈ ወርሒ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ 2-ሚልየን ሊትሮ ነዳዲ ብዘይቀረጽ ካብ ጅቡቲ ናብ ክልል ትግራይ ንክኣቱ መንግስቲ ንመሻርኽቲ ትካላት ረድኤት ፍቓድ ምሃቡ ሓቢራ ኔራ።

ካብ መንጎ`ዞም ካብ ክልል ትግራይ ተፈናቒሎም ኣብ ደቡብ ወሎ ተዓቑቦም ዘለዉ ተፈናቐልቲ ሓደ ወዲ 17-ዓመት መንእሰይ ኣብ ትግራይ ወተሃደራዊ ምልመላ ብግዴታ ከምዝካየድ ይጠቅስ።

“ካብ ሓደ ገዛ ሓደ ሰብ ንወተሃደራዊ ስልጠና ክወጽእ ግድን`ዩ" ይብል።

ሓላፊ ኮምኒኬሽን ክልል ትግራይ`ውን ንህልውና ዝግበር ዂናት ስለዝኾነ ካብ ሓደ ገዛ ሓደ ጥራይ ዘይኮነ ካብኡ ንላዕሊ`ውን ንቃልሲ ይወጽእ`ዩ ኢሉ ኔሩ`ዩ።

ህወሓት ዕድሚኦም ንውትህድርና ዘይኣኸለ ቆልዑ የስልፍ`ዩ ንዝብል ክሲ ግን ብዝተፈላለዩ መግለጺታቱ ኣሉታ ክህበሉ ጸኒሑ`ዩ።

ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ትግራይ ተፈናቒሎም ብጊዝያዊነት ኣብ ዘዕርፍሉ መደበር ፖሊስ ቆቦ ዝሰርሕ ዋና ሳጅን መለስ በላይ፡ ካብ ክልል ትግራይ ናብ ማእከል ሃገር ንምእታው መንገድታት ስለዝተዓጽወ፡ ተፈናቐልቲ ቆቦ ንምእታው ኣጸጋሚ ጉዕዞ ከምዝገብሩ ንድምጺ ኣመሪካ ይገልጽ።

ሓላፊ ኮሙኒኬሽን ወረዳ ቆቦ ጥላሁን ኣሌ ብወገኑ፡ እቲ ኸባቢ ሕቶ መንነት ራያ ዝለዓለሉ ብምዃኑ ብዙሓት ሰባት በብመዓልቱ ተፈናቒሎም ናብ ቆቦ ከምዝኣትዉ ይገልጽ።

ከም ሓበሬታ ኣቶ ጥላሁን ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ጥራሕ፡ ልዕሊ 25 ሺሕ ሰባት ተፈናቒሎም ዝኣተዉ ክኾኑ ክለዉ፡ ካብ መንጎኦም 5,284 ካብ ከባብታት ትግራይ ዝመጹ`ዮም። ካብ መንጎኦም ድማ 2,028 ደቀንስትዮን ሕጻናትን`ዮም ኢሉ።

በብመዓልቱ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዘለዎም ተፈናቐልቲ ዘስተናግድ መደበር ፖሊስ ቆቦ፡ ስሩዕ ስርሑ ክዓምም ከምዝተጸገመ ሓላፊ ፖሊስ ወረዳ ኮማንደር ነጋ ድንብሩ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ኣረጋጊጹ`ሎ።

እቶም ተፈናቐልቲ፡ ኣብ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ምስ ዝነብሩ ኣዝማዶም ንምጽንባር ኮነ ሰሪሖም ንምንባር ዝኽእልሉ ዕድል ክፍጠረሎም ሓቲቶም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG