ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ዝተፈናቀሉ 200 ሰባት ቆቦ ምእታዎም ተሓቢሩ


ካብ መነባብርኦም ዝተፈናቀሉ -ፋይል
ካብ መነባብርኦም ዝተፈናቀሉ -ፋይል

ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጠመ ሕጽረት መግቢ ዝተፈናቀሉ ልዕሊ 200 ሰባት ኣብ ቆቦ ከምዝኣተው፣ ከንቲባ’ታ ከተማ ገሊጾም።

ኣብ ካናዳ ኣተሓባባሪ ዝምድናታት ወጻኢ መንግስቲ ክልል ትግራይ ከምዝኾኑ ዝዛረቡ ኣቶ ዮሃንስ ኣብራሃም ብወገኖም ሎሚ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ "ምስ ስድራቤት ንምርኻብ ካብ ምድላይ ወጻኢ፣ ከም ስደተኛታት ዘቁጽር ዝፍለጥ ምንቅስቃስ የለን" ኢሎም።

ከንቲባ ቆቦ ኣቶ ስዒድ ኣባተ ብሰንኪ ውግእ፣ ካብ ዋጃን ጥሙጋን፣ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ተፈናቂሎም ኣብ’ታ ከተማ ከምዝርከቡ ጠቂሶም: ንዝተፈጠረ ምጽባብ ንምውጋድ፣ እቶም ተፈናቀልቲ ናብ ካልእ ስፍራ ንምግዓዝ መደብ ከምዘሎ ሓቢሮም ኣለው ።

ብካልእ ወገን፣ ነዚ ኣመልኪቱ መግለጺ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣቶ ዘውዱ ኣያሌው ኣብ ቆቦ ካብ ዝኣተው ተፈናቀልቲ ንኣስታት 12 ሽሕ ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝቀረበን ካብ ክልል ትግራይ ዝተፈናቀሉ ሰባት ኣብ ቆቦ ምእታዎም ከምዝፈልጡ ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG