ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ክልል ቤንሻንጉል ዝተመዛበሉ እኹል ሰብኣዊ ሓገዝ ኣይንረኽብን ኣለና ክብሉ ሓቢሮም


Benishangul-Gumuz
Benishangul-Gumuz

ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ዞባ ካማሽ ወረዳ ሴዳል ብሰንሊ ፀገም ፀጥታ ተመዛቢሎም ኣብቲ ክልልን ምዕራብ ወለጋን ዝርከቡ ገለ ተመዛበልቲ እኹል ሰብኣዊ ሓገዝ ኣይንረክብ ዘለና ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ናይ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኮሚሽን ኮሚሽነር ናይ ሓደጋ ስግኣት ስራሕ ኣመራርሓ ኣቶ ታረቀኝ ታሲሳ ተመዛበልቲ ኣብ ዝርከብሉ መዕቖቢ ይሕገዙ ኣለው ፤ እቲ ቅሬታ ግቡእ ኣይኮነን ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም ንኩነታት ፀጥታ ወረዳ ሴዳል ብምምሕያሽ ናብቲ ዝመፅሉ ንምምላስ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ብኻልእ ወገን ናይ ኦሮሚያ ክልል ስግኣት ሓደጋ ስራሕ ኣመራርሓ ኮሚሽን ኮሚሽነር ኣባድር ኣብዳ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዘለው ተመዛበልቲ ድጋፍ ዝረኽቡሉ ምስ ናይቲ ዞባ መሪሕነት ተዘራርብና ኣለና ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG