ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ኬንያ ናብ ኢትዮጵያ ዝምለስ ኣንበጣ በረኻ ብዕስለ ይረአ ምህላው ተገሊጹ


ካብ ኬንያ ናብ ኢትዮጵያ ዝምለስ ዘሎ ኣንበጣ በረኻ ሎሚ’ውን ብብዙሕ ዕስለ ይረአ ምህላው ተገሊጹ።

ነዚ ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት ዝሓየለ ናይ ምክልካል ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ’ውን ሓደ መራሒ ስራሕ ኣፍሊጦም። ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ስራሕ ሕርሻን ጊዜ ሰብ ሞያን ገንዘብን ዓብይ ተጽዕኖ የሕድር ምህላው’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕ እንዳሃለው ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ኣብ ሚንስትር ሕርሻ ዳይሬክተር ዳይሬክተሮት ኣቶ ዘብዴዎስ ሰላቶ እቲ አንበጣ በረኻ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣትሒዙ ካብ ኬንያ ናብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝተፈላልየ ከባቢታት ይረአ ኣሎ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እውን እንተኾነ ንምክልኻሉ ዝግበር ዘሎ ስራሕ ሓይሉ ይቕጽል ከምዘሎ’ውን ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG