ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ከተማ ደብረማርቆስ ቅድሚ 20 ዓመት ዝተሰጉ ኤርትራውያን ኣሕዋት ዳግም ኣብ ዝተመልስሉ እዋን ድሙቕ ኣቀባብላ ይግብረሎም


ኣቶ ተስፋሚካኤል ግደይን ሓዉ ኣቶ መድሃኔ ግደይን ደቂ ሸሞንተን ሓሙሽተን ዓመት ከለዉ ምስ ኣብኦም ናብ ደብረማርቆስ ምብራቕ ጎጃም ከይዶም። “ኣቦና ሰራሕተኛ ኣውራ-ጎደና ስለዝነበረ ሒዙና ከይዱ” ይብሉ። ብጽቡቕ ምስ ህዝቢ ማርቆስ ብፍቕሪ እናነበርና ከለና፡ ብጉጉይ ፖለቲካ ፡ኤርትራውያን ተባሂልና ተሰጉጕና ይብል ኣቶ መድሃኔ።

ህዝቢ ኣብ ዝሓለፍናዮ ጽቡቕ ኣቀባብላ ገይሩልና ዝበለ ኣቶ ተስፋሚካኤል ብፍላይ ኣብ ደሴ ሓደ ኢትዮጵያዊ ብሽሙ ሲም-ካርድ ኣውጺኡ ምሃቦም፡ ከምኡ`ውን ኣብ ደብረብርሃንን ኣዲስ ኣበባን ናይ ኤርትራ ሰሌዳ መኪና ብምርኣይ ጥራይ ዝልግስሎም ዝነበሩ ፍቕርን ኣኽብሮትን ብፍሉይ ይጠቕሶ።

ናብ`ታ ዝዓበዩላ ከተማ ደብረማርቆስ ምስ ተበገሱ ድማ፡ ካብ ጎሓ-ጽዮን ጀሚሮም፡ ድሕሪኡ ካብ ማርቆስ 10 ኪ.ሜ ርሕቐት ኣብ ዝርከብ ቦታ መንእሰያት መኪና ሒዞም ተቕቢሎም ናብ ደብረማርቆስ ዓጂቦም ከምዘእተውዎምን፡ ኣብ ደብረማርቆስ ህዝቢን ከንቲባ`ታ ከተማ ዝርከቦም ሓለፍትን ብፍሉይ ከምዝተቐበልዎም ብፍሉይ ስሚዒት ይገልጹ፡-

ሳልኦም እየ ኣብ`ዚ በጺሐ ክብል ዝመስከረሎም ካብ ዝተቐበልዎም ሓደ መተዓብይቶም ኣቶ ኣይነ-ኣዲስ ፍቅዱ “ክኸዱ ከለዉ ደው ኢልና ካብ ምብካይ ክንገብሮ ንኽእል ነገር ኣይነበረን፡ ሕጂ ግን ደስታ ኮይኑ ደስታ ኸኣ የንብዓና`ሎ” ኢሉ።

ኣስዒቡ ናብ ደብረማርቆስ ዝመጹ ህዝቢን ሕውነትናን ደልዮም`ምበር ካልእ ዝደልዩዎ ነገር ይብሎምን ኢሉ ።

ኤርትራዊ ኣቶ መድሃኔ ብወገኑ፡ ህዝቢ ደብረማርቆስ ዝገብረልና ዘሎ ኣቀባብላ ተኣምር`ዩ ዝርሳዕ `ውን ኣይኮነን ኢሉ።

ምስ ክልቲኦም ኣሕዋትን ምስ መተዓብይቶምን ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG