ኒው ዮርክ —
ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ጣልቃ ኣትዮም ብዝብል ካብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ክወጹ ዝተኣዘዙ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ንድሕነቶም ክብል ሕቡራት ሃገራት ካብ ኢትዮጵያ ከም ዘውጽኦም ተሓቢሩ።
ኢትዮጵያ መተካእታ እቶም ዝተሰጎጉ ሰራሕተኛታት ከተፍቅድ ምዃና ደኣ ትገልጽ እምበር፡ ቦታኦም ከም ዘይተተክአ ግን ወሃብ ቃል ሕቡራት ሃገራትፈርሓን ሓቅ ኣመልኪቱ ።
ብመሰረት ውዕል ሕቡራት ሃገራት፡ ኢትዮጵያ ንሰራሕተኛታት’ቲ ትካል ከምኡ ዝመስል ናይ ምስጕግ ሕጋዊ መሰል ከም ዘይብላ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ከመልክት ጸኒሑ’ዩ። ሕቡራት ሃገራት ኣብ መሰረታዊ ዘይሻራውነት መትከሉ ጸቒጡ ከም ዝሰርሕ ዘመልከተ ወሃብ ቃል’ቲ ውድብ ፈርሓን ሓቅ፡ እቲ ውድብ ብቑዓት ኢሉ ናብቲ ስራሕ ዝለኣኾም ሰራሕተኛታት ንሳቶም ብምዃኖም፡ ኢትዮጵያ ምቹው ናይ ስራሕ ዕድል ባይታ ተላብዩ።