ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ አዲስ አበባ ናብ ጅቡቲ ትጉዓዝ ዝነበረት ባቡር ተገልቢጣ ገለ ፋርጎታት ምስባሮም ተገሊጹ


ካብ አዲስ አበባ ተበጊሳ ናብ ጅቡቲ ትጉዓዝ ዝነበረት ንብረት መንገዲ ባቡር ኢትዮጵያ ዝኾነት ናይ ጽዕነት ባቡር ኣብ ዞባ ምብራቅ ሸዋ ተገልቢጣ ሓደጋ ከምዝወረዳ ፖሊስ ምብራቅ ሸዋ ኣፍሊጡ።

በቲ ሓደጋ ገለ ፋርጎታት ከምዝወደቃን ከምዝተሰባበራን ኣብ ህይወት ሰብ ግን ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ሓቢሩ።

መበገሲ’ቲ ሓደጋ ለይቲ ሓያል ዝናብ ኣብቲ ቦታ ወቒዑ ስለዝነበረ ብውሕጅ ዝመጸ ጭቃ ነቲ መንገዲ ባቡር ብምምልኡ ነታ ባቡር ሸተት ከምዝበላ ተገሊጹ’ሎ።

XS
SM
MD
LG