ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ቱኒዝያን ሊብያን ዝተበገሱ 141 ሰባት ኢጣልያ ምእታዎም ተገሊጹ


ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት
ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት

ካብ ቱኒዚያን ሊቢያን ዝተበገሱ 141 ሰባት ብሽዱሽተ ጀላቡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ናይ ጣሊያን ደሴት ላምፐዱሳ ኣትዮም።

ፖሊስ ጣሊያን ነቲ ዜና ኣረጋጊፁዎ ኣሎ።ላምፐዱሳ ካብ ቱኒዚያ 145 ካብ ሊቢያን ድማ 303 ኪሎ ሜትር ሪሒቓ ትርከብ።

ዓለምለኸ መርበብ ወለንተኛታት ህይወት ኣድሕን ነቲ ናይ ርድኡና ናይ ስልኪ ደውል ሰሚዖም ንሓለውቲ ወሰን ማይ ብምሕላፍ 31 ሰባት ዝፀዓነት ጀልባ ኣብ ቱኒዚያ ተገሊቢጣ ይብል።ሸውዓት ሰባት ድሒኖም ክልተ ግን ጠሊቖም ህይወቶም ስኢኖም 22 ኣበይ ከምዝኣተው ኣይፍለጥን።

ብመሰረት ዓለምለኸ ውድብ ፍልሰተኛታት(IOM) ዛጊድ ኣብዚ ዓመት ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ተበጊሶም ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣውሮጳ ክኣትው ዝፈተኑ 1,300 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ኣለው።

ብመሰረት ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ኣብዚ ዓመት ጥራሕ 47,932 ሰባት ኣብ ጣሊያን ኣትዮም ኣለው።ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 34,154 ሰባት ጣሊያን ኣትዮም።

XS
SM
MD
LG