ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ቤንሻንጉል ክልል ዝተመዛበሉ ዝተዓቕቡሉ ቦታ ብሓደጋ ውሕጂ ጉድኣት ከምዘጋጠሞ ተገሊጹ


ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ተመዛቢሎም ኣብ ዞባ መተከል ራንች ኣብ ዝተባህለ ግዚያዊ መፅለሊ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ብሓደጋ ውሑጅ መጽለሊኦም ብምፍራሱ መዕቖቢ ከምዝሰኣኑ ገሊፆም።

ናይ ክልል ኣምሓራ ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት መግብን ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ፃዕርታት የካይድ ኣለኹ ኢሉ ኣሎ።

ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ተመዛቢሎም ኣብ ዞባ መተከል ጊዝያዊ መፅለሊ ራንችን ካብኡ ወፃእን 58,555 ኣብ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ ወረዳ ጓንጓ 21,000 ብድምር ልዕሊ 79,000 ተመዛበልቲ ከምዝርከቡን እቲ ብዝሒ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎን ተፈሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG