ካብ ቤት ጽሕፈት ዴሞክራሲ፣ሰብኣዊ መሰላትን ዕዮን ዓለምለኸ ሃይማኖታዊ ነፃነትን ዝተላእኸ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤርትራ ዑደት ከምዝፈፀመ ኣብ ኤርትራ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።እቲ ልኡኽ ምስ መንግስቲ ኤርትራ፣ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲን ምስ ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ኤርትራን ንምርኻብ ናብ ኤርትራ ምጉዓዞም እቲ ሓበሬታ ይገልፅ።
እቲ ጉጅለ ንስነስርዓት ኣከባብራ በዓል መስቀል ከምዝተዓዘበ እቲ ሓበሬታ ይገልፅ።ካብ 26 ክሳብ 28 መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ዑደት እቲ ልኡኽ ምስ መን ከምዝተዘራረበን ኣብ ምንታይ ጉዳያት ከምዝዘተየን ግን ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።
ብኻልእ ዜና ናይ ሕቡራት ሃገራት ተሓጋጋዚት ዋና ፀሓፊ ንጉዳያት ሰብኣዊ ጉዳያት አርሴላ ሙለር ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ናብ ኤርትራ ምክያደን ተፈሊጡ።
ንሰን ምስ ሚንስትራት ጥዕና፣ሕርሻ፣ሃገራዊ ልምዓት፣ሓበሬታ፣ሚንስትር ዕዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን ከምኡ እውን ምስ ፕረዚደንትት ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ተኸታታሊ ዘተ ከምዘካየዳ ኣብ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ዝወፀ ዜና ሓቢሩ።