ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ሞያሌ ተመዛቢሎም ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ሕጽረት መግቢ የጋጥሞም ምህላው ይገልጹ


ሞያሌ
ሞያሌ

ካብ ሞያሌ ተመዛቢሎም ኬንያ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ብሕፅረት መግቢ እናተፀገሙ ምዃኖም ገሊፆም።ዝውሃቦም መግቢ ንህፃናት ስለዘይኸውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ህይወት ሰለስተ ህፃናት ከምዝሓለፈ ሓቢሮም።ረድኤት ኣብ ምቕራብ ዝርከብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ሞት እቶም ህፃናት ብምእማን መንቀሊ ሞት ግን ባህላዊ ሕክምና እዩ ኢሉ’ሎ።

ካብ ናይ ኢትዮጵያ ሞያሌን ከባቢኡን ብምምዝንባል ኣብ ከባቢ ሶሎሎ ተዓቑቦም ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ሕጽረት መግቢ የጋጥሞም ከምዘሎ ይገልፁ።ብፍላይ ነፍሰ ጾራትን ኣዴታትን ህፃናትን ጉድኣት ይወርዶም ከምዘለውን ኣብዝሓለፈ ሰሙን ሰለስተ ህፃናት ከምዝሞቱን ስደተኛታት ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ምስ ኣርባዕተ ደቀን ኣብዚ ግዚያዊ መፅለሊ ይነብራ ዘለዋ ወ/ሮ ደርሚ ገልማ ከምዚ ይብላ።

“ሕቡራት ሃገራት እዩ ዝሕግዘና ዘሎ።ዝተመጣጠነ መግቢ ኣይንረክብን ዘለና።ዝህቡና ማሸላ ህፃናት ኣይበልዑዎን።ካልእ ተወሳኺ መግቢ እውን የለን።ንህፃናት እንህቦም መግቢ የለን።ሰብ ብሕፅረት መግቢ ይጉዳእ ኣሎ።ኣብዚ መዕቖቢ ስደተኛታት እኹል መግቢ ብዘይምርካቦም ሰለስተ ህፃናት ሞይቶም፤ካልኦት ዝሓመሙ እውን ኣለው።”

ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑት ወ/ሮ ቀበሌሳ ፈቶ ወዲ ሰለስተ ዓመት ውላደን ብፅኑዕ ከምዝሓመመ ይዛረባ።እቶም ስደተኛታት እኹል ሓለዋ ስለዘይግበረሎም ስግኣት ድሕነት ኣለና’ውን ይብላ።

ብዛዕባ ቅሬታ ስደተኛታት ዝተሓተቱ ኣብ ኬንያ ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይቮን ንዴጌ ኣብ ቀረባ ኣብ ደምበላ ፈቻ ሰለስተ ህፃናት ብባህላዊ ሕክምና ብዝተውሃቦም መድሓኒት ተጎዲኦም ብውፅኣት ምሟቶም ገሊፆም።ብስእነት ተመጣጣኒ መግቢ ዝሞተ ህፃን ከምዘየለን ነዚ ንምክልኻል ን20 ህፃናት ተመጣጣኒ መግቢ ይውሃብ ከምዘሎን ሓቢሮም።

ፖሊስ ኬንያ ኣብቲ ግዚያዊ መዕቖቢ ሓለዋ ከምዝገብርን መፃኢ ኩነታት ናይቶም ስደተኛታት ንምውሳን ምስ መንግስቲ ኬንያ ይዘራረቡ ከምዘለው ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG