ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ምብራቕ ሃረርጌ ናብ ቀለም ወለጋ ዝተፈናቐሉ ተመዛበልቲ ሓገዝ ይረክቡ ከምዘየለው ገሊጾም


ክልል ኦሮምያ
ክልል ኦሮምያ
ካብ ዝተፈላለያ ዞባታት ምብራቕ ሃረርጌ ክልል ኦሮሚያ ብሰንኪ ደርቂ ተፈናቒሎም ኣብ ዞባ ቀለም ወለጋ ተዓቑቦም ዝርከቡ ሰባት ንዝሓለፈ ትሸዓተ ኣዋርሕ ዝኾነ ረድኤት ኣይበጸሓናን ይብሉ።

እቶም ተፈናቐልቲ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ እቲ መዕቆቢ እኳ ደኣ ተወሳኺ ስቓይ ከምዝፈጠረሎምን፡ቆልዑትን ኣንስትን ብጥምየት ክሞቱ ከምዝጀመሩን ተዛሪቦም።

እቶም ተፈናቐልቲ ብምውሳኽ፡ ክልላዊ መንግስቲ ኣቕድም ኣቢሉ ረድኤት መግቢ ይህቦም እንተነበረ`ኳ ሕጂ ግን ተቛሪጹ`ዩ ይብሉ።

ኣማሓዳሪ ዞባ ቀለም ወለጋ ከምኡ ሓለፍቲ ህጹጽ ረድኤት ብወገኖም እቲ ረድኤት ዝተቛረጸ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጥረ ኩነታት ጸጥታ`ዩ ኢሎም ኣለዉ።

እቶም ሰበ-ስልጣን ወሲኾም ብሰንኪ ጥምየት ዝሞተ ሰብ ብዛዕባ ምህላዉ ግን መረዳእታ የብልናን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG