ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ጉጂ ዝተመዛበሉ ተወለድቲ ብሄረሰብ ጌዴኦ ንዝተፈላለዩ ሕማማትን ሕፅረት መግብን ከምዝተቓልዑ ተዛሪቦም


ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ምብራቓውን ምዕራባዊ ዞባታት ጉጂ ዝተመዛበሉ ተወለድቲ ብሄረሰብ ጌዴኦ ንዝተፈላለዩ ሕማማትን ሕፅረት መግብን ከምዝተቓልዑ ተዛሪቦም።ኣብ ወረዳ ገደብ ካብ ዝርከቡ መዕቖቢ ማእከላት ኣብ ሓዲኡ ዝተዓቖባን ሽመን ክገለፀለን ዘይደለያን ኣደ ዝውሃበን ዕለታዊ መግቢ እኹል ከምዘይኮነ ብምሕባር ካብ ጥምየት ብዝገደደ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ምቅልዐን ተዛሪበን።

“ዋላ ሓደ ነገር ኣይረኸብናን፤ህፃናት እውን ኣብ ነፍሲ ውፅኢ፣እስትንፋስ እተዊ እዮም ዝርከቡ።ብስእነት መግቢ እታ ወላዲት ካበይ ኣምፂኣ ክተጥቡዮም? ዝብላዕ፣ዝስተ የለን።ዋላ ሓደ ነገር ኣይንረክብ።ሰባት ይሞቱ ኣለው” ኢለን።ተመዛበልቲ ኣብ ዘዕቖቡሎም ማእኸላት ለበዳ ውፃእትን ሕማም ኣንቅፅን ከምዝተርኣየ፣ዝሞቱ ሰባት ድማ ምህላዎምን ለበዳ ምእታው ንዝኾነ ኣካል ከይትዛረቡ ከምዝተብሃሉን ሰብ ሞያ ጥዕና ካብቲ ከባቢ ገሊፆም ኣለው።

ሓደ በዓል ስልጣን ቤት ጽሕፈት ጥዕና ናይቲ ክልል ግን ለበዳ ሕማም ይኹን ዝሞተ ሰብ የለን፤ናብ ሆስፒታል ኣትዮም ዝተባህሉ ተመርሚሮም ነፃ ኮይኖም ኣለው ኢሎም። ሓካይም ብዘይ ዶብ ዝተባህለ ዓለምለኸ ትካል ትማሊ ኣብዘውፅኦ ፀብፃብ ዝለዓለ ሕፅረት መግቢ ከምዘሎ ብምሕባር ተመዛበልቲ ንዝለዓለ ለበዳ ሕማማት ክጥቅዑ ይኽእሉ እዮም ኢሉ።ዝተመዛበሉ ዜጋታት ንዝኸፍአ ፀገም ቅድሚ ምቅልዖል ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ክረባረቡ’ውን ፀዊዑ’ሎ።

XS
SM
MD
LG