ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 403 ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት መርከብ ኣብ ወደባት ኢጣልያ ምዕራፋ ተገሊጹ


ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 403 ስደተኛታት ጽዒና ዝነብረት መርከብ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ትርከብ ወደብ ታራንቶ ምዕራፎም ተገሊጹ።

አባላት ነቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዘካየደት መርከብ ኦሻን ቫይኪንግ ካብቶም ስደተኛታት 100 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ምዃኖምን መብዛሕቶም እቶም ስደተኛታት ካብ ሃገራት ሱዳን፡ሶማልን ኤርትራን ዝመጹ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለው።

ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ሉቻና ላሞርገስ ፈረንሳን ጀርመንን ከምኡ’ውን ኣየርላንድን ላክዘምበርግን ንገለ ካብቶም ስደተኛታት ከምዝወስዳ ሓቢረን ኣለዋ።

ሚንስትር ሉቻና ላሞርገስ ነቶም ትማሊ ኢጣልያ ዝኣተው ከይሓወሰ ኣብዚ ወርሒ ጥራይ ኣስታት 870 ስደተኛታት ኢጣልያ ምእታዎም ሓቢረን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG