ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

932 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ካታንያ ኣትዮም


932 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ ወደባዊት ከተማ ካታንያ ሲሲሊ ምእታዋ ተገሊጹ። እዛ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ሎሚ ረቡዕ ኢጣልያ ዝኣተወት፡ ኢጣልያ ኣብ ወደባታ ከይትዓርፍ ዝከልከለታ ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ናብ ስጳኛ ኣብ ዘምረሓትሉ እዋን’ዩ።

ካብቶም ሎሚ ረቡዕ ከተማ ካታንያ ዝኣተው ስደተኛታት 208 ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ኽኮኑ ከለው 13 ድማ ነፍስ ጾር ደቂ ኣንስትዮ ይርከብዎም።

እቶም ስደተኛታት ካብ ሃገራት ኤርትራ፡ሱዳን፡ማሊ፡ኣይቨሪስኮስትን ጊኒን ዝመጹ እዮም።

ወሃቢት ቃል ትካል ሴቭ ዘ ችልድረን ጂዮቫኒ ደ በነዲቶ “ እቶም ስደተኛታት ብጣዕሚ ደኺሞም ኢና ረኺብናዮም። ብዙሓት ህጻናት ኣለው። እቲ ዝነአሰ ወዲ ሰለስተ ወርሒ ህጻን እዩ። ገለ ምስ ስድራ ቤቶም ክኾኑ ከለው ብዙሓት አላይ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት’ውን ኣለው” ኢለን።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ወደባዊት ከተማ ካታንያ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ካብ ንትርፊ ዘይሰርሕ ትካላት ዝተዋጽኡ ሰልፈኛታት “ሕጊ ባሕሪ ይከበር”፡ “መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ደው ይበል” ዝብል ጭርሖታት ብምሓዝ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም ኣለው።

ኢጣልያ ብ“ሓካይም ብዘይዶብ” ዝተባህለ ትካል ትውነን ኣስታት 600 ስደተኛታት ዝጸዓት መርከብ አኳይረስ ኣብ ወደባታት ከይትዓርፍ ዘሕለፈቶ ውሳነ ከምዝጸንዓ እንተኾነ ወሃቢት ቃል "ሓካይም ብዘይዶብ" ግን ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ምድሓን ስርሒት ከምዝቕጽልዎ ሓቢረን ኣለዋ።

ንሰን ብተወሳኺ “ፍሎቲላ” ዝተባህለት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ትርከበን መርከብ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያን መርከብ “ሓካይም ብዘይ ዶብ”ን ዝጸዓንዎም ስደተኛታት ሒዘን ቀዳም ኣብ ወደብ ስጳኛ ቫለንስያ ክበጽሓ ትጽቢት ከምዘሎ ሓቢረን።

932 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ካታንያ ኣትዮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:08 0:00

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማርኮ መንግስቲ ኢጣልያ ብዓለምለኸ ሕጊ መሰረት ነዞም ዝበዝሑ ካብ ትሕተ ሰሃራ ሃገራት ዝኾኑ ስደተኛታት ናይ ምቅባል ግዴታ ኣለዎ ክብሉ ነቲ ስጉምቲ ኢጣልያ ኮኒኖም ኣለው።

ፈረንሳ ነቲ ንጉዳይ ስደተኛታት ብዝምልከት ኣብ መንጎ ሕብረት ኣውሮጳ ዝሰፈረ ውጥረት እውን ገኒሓቶ ኣላ።

እቶም ስደተኛታት ናይ ዘምርሑላ ወደባዊት ከተማ ቫለንስያ ስጳኛ ዞባዊ ምምሕዳር ምክትል ፕረዚደንት ሞኒካ ኦልትራ “ነቶም ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎምን ነፍሰጾራትን ዘገልግሉ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ናብታ ወደባዊት ከተማ ተዋፊሮም ኣለው፡ ገለ ብብርቱዕ ጸሓይ ቆርበቶም ዝቆሰለ ሰባት ከምዘለው’ውን ንፈልጥ ኢና። ብተወሳኺ ሚንስትር ፍትሒ ጉዳዮም ንምቕልጣፍ ክሰርሕ’ዩ” ኢለን ኣለዋ።

ኢጣልያ ነቶም ስደተኛታት ንምግዕዓዝን ነተን መራክብ ንምስናይ ክልተ መራኽብ ምስዳዳ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

932 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ካታንያ ኣትዮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:34 0:00

XS
SM
MD
LG