ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

31 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ኢጣልያ ምእታዎም ተገሊጹ


ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት - ፋይል
ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት - ፋይል

31 ስደተኛታት ብእንግሊዛዊ ስነ ጥበበኛን ተሓላቂን ብእትምወል መርከብ ሊዊስ ማይክል ድሕሪ ምድሓኖም ትማሊ ረቡዕ ኣብ ጣልያን ላምባዱሳ ኣትዮም'ለዉ።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ጥቃ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ካብታ ደሴት 150 ኪሎ ሜትር ርሒቃ ኣብ ዝርከብ ጋዝ ዝወጸሉ ከባቢ ምድሓኖም'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

መብዛሕቶም እቶም ስደተኛታት ካብ ቱኒዝያን ባንግላደሽን ክኾኑ ኸለዉ ኣብታ ካብ ዕንጨይቲ ዝተሰርሓት ጀልባ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ተጸቓቂጦም ምንባሮም ተገሊጹ'ሎ።

እዚ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ብፍቓድ ሰበስልጣን ጣልያን ብወለንተኛታት ኣብ ላምፓዱሳ ዝተገብረ ምድሓን ህይወት'ዩ።

መርከብ ሊዊስ ማይክል ንብረት ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ዝነበረት 30 ሜትሮ ንውሓት ዘለዋ ክትኸውን ኸላ ካብ መሸጣ ገንዘብ ስርሓት ኣርት ስነ ጥበብ ባንክሲ ዝተዓደገት'ያ።

XS
SM
MD
LG