ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት - ንምትሕብባር ኢጣልያን ሓለዋ ባሕሪ ሊብያን ይኸሱ


 ክሪስ ሄለርን ጠበቓታት እቶም ስደተኛታት'ቲ ክሲ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን
ክሪስ ሄለርን ጠበቓታት እቶም ስደተኛታት'ቲ ክሲ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን

ኢጣልያ ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ንዝካየድ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተኻይዶ ምትሕብባር ሕጋዊ ብድሆ አጋጢምዎ’ሎ። እዚ ምትሕብባር ኢጣልያን ሓለዋ ባሕሪ ሊብያን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ብዘይፍቓዶም ናብ ሊብያ ክምለሱ ዘገድድ’ዩ ብዝብል ኣብ ቤትፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣውሮጳ ክሲ ቐሪብዎ’ሎ።

17 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ናይጀርያዊያን ኢጣልያ ኣብ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ትህቦ ሓገዝ ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል እቶም ስደተኛታት አበርኽቶ ጌሩ’ዩ ብዝብል ንቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣውሮጳ ምክሳሶም ተገሊጹ።

ከሰስቲ ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ማእከላይ ባሕሪ ቅድሚ ምቁራጸን ንምግታእ ዝኻየደ ጻዕርታት ሊብያን ኢጣልያን ንብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ንዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ፡ስቅያትን ማሕረምቲን ዘቓልዕ’ዩ ክብሉ ይሙጉቱ።

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንዘጋጥሙ ሞት ዝምርምር ፕሮጀክት ዘዳለወ ፎረንሲክ ኦሻኖግግራፊ ዝተባህለ ትካል መስራቲ ክሪስ ሄለር፡ መንግስቲ ሊብያ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ንዝደሓኑን ናብ ሊብያ ዝተመለሱ ስደተኛታት ሓልዮት ከምዘይብሉ ብምግላጽ ኣብ ወርሒ ሕዳር 20 ሰባት ከምዝሞቱ ይገልጽ።

ንሱ ብተወሳኺ ሕብረት ኣውሮጳን ኢጣልያን ነቲ ህልው ዘይነበረ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብኣፍልጦ ሰበ- ስልጣን ኢጣልያ ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ክመልሱ ንዝብል ዒላማ ኣብ መወዳእታ 2017 ዳግማይ ከምዝመስረትዎ የረድእ።

“ኢጣልያ ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ብምዃን ብመንገዲ ስርሒት ምምላስ ስደተኛታት ስትራቴጂካዊን ስርሒታዊ ቁጽጽር ኣብ ልዕሊ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣለዎም።”

ንሱ ብምቅጻል ኣብ 2017 ዓ.ም ጥራይ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 20,000 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ መሊሱ’ዩ ይብል።

ኢጣልያን ሕብረት ኣውሮጳን ንጎነጻዊን ገበናዊን ባህሪ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ እንዳፈለጡ እቶም ስደተኛታት ናብ ሊብያ እንተተመሊሶም ዝገጥሞም ዓመጽ እንዳተረድኡ ነዚ ፖሊሲ ክትግበር ምውሳኖም ተሓተቲ ይገብሮም ክብል ሄለር የረድእ።

“ዋላ’ኻ ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ፖሊሲ ነቲ ቁጽሪ ዋሕዚ ማእከላይ ባሕሪ ዘቋርጹ ስደተኛታት ክጉድል ኣበርኽቶ እንተገበረ'ውን ፡ ብዋጋ ምህጋስ ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታት ዝኻየድ ብምህላው ዝኽፈለሉ ዘሎ ሰብኣዊ ዋጋ ልዑል’ዩ።”

ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝቐረበ ክሲ ክሳብ ሕጂ ዋላ ሓደ ግብረ መልሲ ኣይሃቡን።

እዚ ዝቐረበ ሕጋዊ ብድሆ ዓብይ ለውጢ ከምጽእ ተስፋ እንተተነብሮ ክዕወት ዝወስዶ ጊዜ ግን ቀሊል ከምዘይኸውን ሰብ ሞያ ይሕብሩ።

XS
SM
MD
LG