ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

45 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ወደብ ላምፓዱሳ ምእታዎም ተገሊጹ


45 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ወደብ ላምፓዱሳ ምእታዎም ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:40 0:00

45 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ወደብ ላምፓዱሳ ምእታዎም ተገሊጹ

45 ብናይ ጀርመን መርከብ ግብረሰናይ 'ሲዎች 3' ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ወደብ ላምፓዱሳ ምእታዎም ተገሊጹ።

ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማትዮ ሳልቪኒ ግን እታ መርከብ ንሕጊ ኢጣልያ ብምጥሓስ ነቶም ስደተኛታት ናብ ወደብ ላምፓዱሳ ብምእታዋ ከምዘቖጠዖም ብምግላጽ ንሕጊ ብምጥሓስ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ስደተኛታትን ናብ ኢጣልያ ዘእትው ዝኾነ አካል ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ኣብ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስ ቡክ ገጾም ገሊጾም ኣለው።

ሚንስትር ሳልቪኒ ካብቶም 47 እቶም 18 ህጻናት ቆልዑ ዘለዎም ስድራቤታት ኢጣልያ ክኣትው ከምዝፍቐደሎም ነቶም ካልኦት ግን ናብታ ሃገር ክኣ ው ከምዘይፈቕዱ ኣፍሊጦም ኣለው።

ነቲ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ዘካየደ መርከብ 'ሲዎች 3' ብወገኑ እቶም ስደተኛታት አካል እቶም ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 65 ስደተኛታት ምዃኖም ብምሕባር ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ እዚ ራብዓይ ናይ ህይወት አድሕን ስርሒት ምዃኑ ገሊጾም ኣለው።

XS
SM
MD
LG