ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ከይምለሱ ይምሕጸኑ


ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ከይምለሱ ይምሕጸኑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:44 0:00

ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ከይምለሱ ይምሕጸኑ

ኦፕን ኣርምስ ዝተባህለ ናይ ስጳኛ ዘይመንግስታዊ ትካል ሸሞንተ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝርከብዎም 87 ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምድሓኖም ገሊጾም።

ነቲ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ዘካየደት መርከብ አባላት እቲ ስርሒት ብርቱዕ ምንባሩ ብምግላጽ እቶም ስደተኛታት ናብ ሊብያ ከይምለሱ ብትሪ ምምሕጻኖም’ውን ሓቢሮም ኣለው።

መንግስቲ ሊብያ ምስ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብምትሕብባር ብዘይመንግስታዊ ትካላት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ክምለሱን ነቶም ስደተኛታት ዝጸዓነ መራኽብ ኣብ ወደባት ኢጣልያ ከይዓርፋ ክትክልክል ምጽንሓ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ሬሳ ኣስታት 100 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምርካቡ ሓቢሩ’ሎ።

እቲ ትካል ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ኣዋርሕ ዓመተ 2018 ቁጽሪ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑን ተታሒዞም ናብ ሊብያ ዝተመልሱ ስደተኛታት 12,633 ምብጽሑ ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG