ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ መዝነቶም ዝተባረሩ ፕረዚደንት ሱዳን ካብ ናይ ገዛ ማሕዩር ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተወስዱ ይግለጽ ኣሎ


ንስድራቤት ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ብምጥቃስ እቶም ፕረዚደንት ካብ ገዛ ማሕዩር ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተወስዱ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ይገልጹ ኣለው።እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብታ ሃገር ሲቪላዊ ምምሕዳር ዝጠልቡ ተቓወምቲ ግን ብዛዕባ’ዚ ርግጸኛታት ኣይኮኑን።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ቢቢሲን ካልኦትን ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ናብ ኮባር ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተወስዱ ስሞም ክግለጽ ዘይደልዩ ኣባላት ስድራቤቶም ሓቢሮም ክብላ ጸብጺበን ኣለዋ። ሓለወቲ ቤት ማእሰርቲ ኮባር ድማ ንአባላት መደበር ቴሌቭን ሲኤንኤን ንዑመር ኣልበሽር ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ክኣትው ከም ዝረኣዩ ገሊጾም ኣለው።

ቤት ማእሰርቲ ኮባር ፕረዚደንት ኣልበሽር ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ንዝበዝሑ ተቓወምቶም ዝዳጉንሉ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ምዃኑ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ምክልኻል’ታ ሃገር ኮፍ ናይ ምባል ተቓውሞ ዘካየዱ ዘለው ዜጋታት’ታ ሃገር ግን ብዛዕባ’ዚ ሓበሬታ ርግጸኛታት ኣይኮኑን።

ሓደ ካብቶም ተቓወምቲ ኣቡበከር ዓሊ “ ፕረዚደንት ዑመር ናብ ማእሰርቲ ከምዝተወስዱ ዝገልጽ ጭብጢ የለን” ይብል።

ኣብ ሱዳን ንዝካየድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ብምጽዋዕ ዝፍለጥ ማሕበር ሰብሞያ ሱዳን’ውን ነዚ ሓበሬታ ከምዝጠራጠሮ ይገልጽ ኣሎ።

ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ምንጪታት ካብ ሱዳን እውን ፕረዚደንት ኣል በሽር ናብ ማእሰርቲ ከምዘይተወስዱን ኣብ መንበሪ ገዝኦም ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዝርከቡ ይሕብሩ።

ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ሎሚ’ውን ቀጺሉ ዝወዓለ ኽከውን ከሎ ዜጋታትን ማሕበረሰብ ዓለምን ቤት ምኽሪ ወታሃደራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ብቅልጡፍ ሲቪላዊ መንግስቲ ክምስርት ጸቕጢ ይገብሩ ኣለው።

ሕብረት ኣፍሪቃ ሱዳን ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሰሙናት ሲቪላዊ መንግስቲ እንተዘይመስሪታ አባልነታ ደው ከምዘብሎ ዝገለጸ ኽከውን ከሎ ሕብረት ኣውሮጳ’ውን ተመሳሳሊ መርገጺ ሂቡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG