ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ሕጽረት መግቢ ከምዘሎ ይገልጹ


ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ብዓሰርተታ ዝቑጸሩ ናብ መጽለሊ ተመዛበልቲ ተቐይሮም'ዮም::ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ልዕሊ 80 ሰባት ይድቅሱ::ኩሎም ድማ ናብዚ ቦታ ክበጽሑ ዘሕለፍዎ ዘሰንብድ ታሪኽ ይገልጹ::ዓለምለኸ ፕሮግራም መግቢ 5.2 ሚልዮን ማለት ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ'ቲ ክልል ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ከምዘድልዮ ይገልጽ:: ይኹን ደአ እምበር ኣብዚ ሓገዝ ዝበጽሓሉ ከተማ መቐለ ሰባት እኹል መግቢ ከምዘይረኽቡ ይገልጹ::

XS
SM
MD
LG