ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ መስረቲ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ገላሳ ዲልቦ ዓሪፎም


ገላሳ ዲልቦ
ገላሳ ዲልቦ

ሓደ ካብ መስረቲ ግንባር ናጻነት ኦሮሞ ዝነበሩ ገላሳ ዲልቦ ድሕሪ ናይ ሓጺር ጊዜ ሕማም ምዕራፎም ግንባር ናጻነት ኦሮሞ ኣፍሊጡ።

ገላሳ ዲልቦ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ፍሉጥ ዝነበሩን ኣባል መሪሕነት ግንባር ናጻነት ኦሮሞ ዝነበሩ ኾይኖምን ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 2021 ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ነጻ ተወዳዳሪ ኾይኖም ቀሪቦም ዝተዓወቱን ክሳብ ዝዓረፍሉ ኸኣ ኣባል ፓርላማ ኢትዮጵያ ዝነበሩን እዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ "ሎሚ ኣብቲ ኣዝዩ ዘድልየና እዋን ስኢናዮ" ኢሎም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG