ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መካ: ኣስታት 2 ሚልዮን ኣመንቲ እስልምና ንሃይማኖታዊ ምብጻሕ ሕጃ ይፍጽሙ


ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዝካየድ ምብጻሕ ሕጃ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ይካየድ ኣሎ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣስታት 2 ሚልዮን ካብ መላእ ዓለም ዝተአኻከቡ ኣመንቲ እስልምና ናብ መካ ይበጽሑ ምህላዎም ተገሊጹ።

እዚ ምብጻሕ አካላዊን ንዋታዊን ብቕዓት ንዘለዎም ኣመንቲ እስልምና እንተወሓደ ኣብ ህይወቶም ሓደ ጊዜ ከካይዱ እቲ ሃይማኖት ይእዝዝ።እንተኾነ ምስ ብዝሒ ዘለዎም ሰባት ኣብ ሓደ ቦታ ምትእኽኻብ ጥዕና ጸገም ከጋጥም ይረአ እዩ።

መብዛሕትኡ ጊዜ ኣመንቲ ብሓንሳብ ብምትእኽካብ ካብ ኣባይቶም ወጻኢ ይበልዑን ይድቅሱን። እዚ ድማ ንሕማም ዘቓልዖም እንተኾነ ሚንስተር ጥዕና ስዑዲ ዓረብ ተውፊቕ ኣል ራባሕ ግን ሃገሮም ዘድልይ ምድላው ምግባራ ይገልጹ።

“ሓደ ውልቀሰብ’ውን ይኹን ዝኾነ ዓይነት ምልክት ሕማም ከምዘለዎ ጥርጣረ እንተሎ እሞ እቲ ውልቀሰብ ዘድልይ ክታበት ከምዘይወሰደ እንተፈሊጥና እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ክታበት ምሃብ’ዩ” ክብሉ ሚንስተር ጥዕና ስዑዲዓረብ ተውፊቕ ኣል ራባሕ ሃገሮም ዘካየደቶ ድልውነት ይገልጹ።

ብተወሳኺ ንሶም ልዕሊ 30 ሽሕ ዝኾኑ ሰብ ሞያ ሕክምና ኣብ 25 ሆስፒታል ነጻ ናይ ክታበትን ናይ ልቢ መጥባሕቲ ህክምና ዝኣመሰሉ ኣገልግሎት ይህቡ ምህላዎም ይሕብሩ።

“ ውሱን ዝኾነ ሕማም ዘለዎም ሰባት ናብ ሃገር ከይኣትው ክትትል ጌርና ኢና። እን ኣትዮም’ውን ክሳብ ዝሕሾም ኣብ ትሕቲ ክትትል ሕክምና ክጸንሑን ኩነታቶም ምስ ተመሓየሸ ናብ ዝመጽሉ ከምዝምለሱ ንገብር ኣለና።”

ኣብቲ ዓመታዊ ምብጻሕ ዝሳተፉ ኣመንቲ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሮም ናብታ ሃገር ምእታው ዝጀመሩ ምዃኖም ዝተፈልጠ ኮይኑ ዋላ’ኳ ዝሓለፈ ሰንበት ህቦብላን ዝናብን ዝተሓወሶ ኩነታት ኣየር እንተነበረ ኣብ ዝቕጽላ መዓልታት ግን እቲ ኩነታት ከምዝተመሓየሸ ተገሊጹ’ሎ።።

ምብጻሕ ሕጃ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ሃይማኖታዊ ምትእኽኻባት ኮይኑ ነዚ ምብጻሕ ንምምላእ ሰበ ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ንዋታዊ ብድሆ ክገጥሞም ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ጽቕጥቕጥ፡ባርዕ ሓዊን ተቓውሞን ዝኣመሰሉ ፍጻሜታት ምግጣሞም’ውን ይዝከር።

ስበ ስልጣን እታ ሃገር ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምብጻሕ ምድላዋት ቕድሚ ኣዋርሕ ምጅማሩ ዝሓበሩ ክኾኑ ከለው: እቲ ምብጻሕ ዝመጽእ ዓርቢ ክዛዘም’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG