ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካቢነ ክልል ሶማል ንዘጋጠመ ደርቂ ንምምካት ተወሳኺ 500 ሚልዮን ብር ባጀት ምጽዳቑ ኣፍሊጡ


ኣመሓዳሪ እቲ ክልል ኣቶ ሙስጠፋ መሓመድ-ፋይል
ኣመሓዳሪ እቲ ክልል ኣቶ ሙስጠፋ መሓመድ-ፋይል

ካብኔ ክልል ሶማል ኣብቲ ክልል ንዘጋጠመ ደርቂ ንምክልኻል 500 ሚሊዮን ብር ተወሳኺ ባጀት ምፅዳቑ ኣፍሊጡ።

እቲ ክልል በገዛእ ርእሱን ብፌደራል መንግስትን ነቲ ደርቂ ንምክልኻል ክሳብ ሎሚ ኣብ ጥቕሚ ዘውዓሎን ከውዕሎ ዘዳለዎን ክልተ ቢሊዮን ብር በፂሑ ከምዘሎ'ውን ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ እቲ ክልል ኣቶ ሙስጠፋ መሓመድ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ ንናይቲ ክልል መንግስቲ ብምቅዋም መግለፂ ኣብ ምውፃእ ዝርከቡ ናይቲ ክልል ናይ ቀደም መራሕቲ ናይ ባዕሎም ተልእኾ ዘይብሎም ናይ ካልኦት ኣፈፀምቲ እዮም ኢሎምዎ ኣለው።

እቲ ክልል ፀገማት ብልሽውናን ሰናይ ምሕደራን ከምዘለዎ ዘይሓብኡ ኣቶ ሙስጠፋ መሓመድ ኮይኑ ግን ቅድሚ ሕጂ ምስ ዝነበረ ክነፃፀር ዘይኽእልን እቲ ክልል ኣብ ህንፀት ትካላት ዝለዓለ ምምሕያሽ ኣብ ምርኣይ ከምዝርከብን ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG