ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካቢነ ሚንስትራት ኢትዮጵያ ቁጠባዊ መነቃቅሒ ንክግበር ወሲኑ


ካቢነ ሚንስትራትኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ልዕሊ ቁጠባ እታ ሃገር ንዝወረደ ጉድኣት ንምንካይ ዘኽእል ኣጀንዳ ተዘራሪቡ ፍታሕ ከምዘነጸረ ፋና ብሮድካስቲንግ ገሊጹ።

እቲ ካቢነ ሎሚ ሰሉስ ድሕሪ ዝነበሮ ህጹጽ ኣኼባ ‘ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ኩሉ ህዝቢ ዝተጸለወ ኮይኑ ከምዝረኸቦ’ ንጹር ኮይኑሎ ኣሎ ይብል ።

ብመሰረት’ዚ፣ ቁጠባዊ መነቃቅሒ ንክግበር፣ እቲ ለበዳ ኣብ ህዝቢ ዘውረዶ ጉድኣት ንምክልኻል ክውሰዱ ዘለዎ ስጉምታት ሓቢሩ እዩ።

ሎም ዘበን ግብሪ 20 ሚእታዊት ምንካይ ግብሪ ንክፍጸም ዝብሉን ካልኦትን ስጉምቲታት ንክውሰዱ ከምዝተወሰነ’ውን’ እቲ ዜና ጠቂሱ’ ሎ።

XS
SM
MD
LG