ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካሜሮን፡ 78 ተማሃሮ ብዕጡቓት ተቓወምቲ ተጨውዮም


ዕጡቓት ተቓወምቲ ካሜሮን 78 ተማሃሮን ዳይሬክተር ሓደ ቤት ትምህርቲ ምጭዋዮም ተገሊጹ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣመሓዳሪ ዞባ ባመንዳ ዋና ከተማ’ታ ቋንቋ እንግሊዝ ዝዛረቡነ ክፍል’ታ ሃገር ደበን ትቹፎ ምጭዋይ እቶም ተማሃሮን ዳይሬክተር ፕረስፕተርያን ዝተባህለ ቤት ትምህርቲ አረጋጊጾም ኣለው።

ምስሊ’ቶም ዝተጨውዩ ቆልዑ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ብሰሜናዊ ምዕራብ ካሜሮን ካብ ደቡባዊ ምዕራብ’ታ ሃገር ክፍለይ ዝንቀሳቀስ ‘ኣወዳት አምባ’ ብዝብል መጸውዒ ዝንቀሳቀስ ዕጡቕ ጉጅለ ምውጽኡ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝተፈነወ ቪድዮ እቶም ተማሃሮ ብጨወይቲ ስሞምን ኣስማት ስድራ ቤቶምን ክሕብሩ ክሕተቱ የርእይ። ተማሃሮ ብወገኖም ብ’ኣወዳት ኣምባ’ ምጭዋዮም ግን ኣብይ ከምዘለው ከምዘይፈልጡ ክገልጹ ተራእዮም።

ጨወይቲ ብወገኖም ዝጠልብዎ ክሳብ ዝማላአሎም ነቶም ተማሃሮ ነጻ ከምዘይለቑ ኣፍሊጦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG