ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካሜሮን፤ ፕረዚደንት ቢያ ከም ዝተዓወተ የምልክት፡ ተነጸልቲ ግብረ-መልሲ ይህቡ


ፋይል- ፕረዚደንት ካሜሮን ፖል ቢያ
ፋይል- ፕረዚደንት ካሜሮን ፖል ቢያ

ፕረዚደንት ካሜሮን ፖል ቢያ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ መንግስቱ ነቶም ንምንጻል ዝቃለሱ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ኣብ ዝገበሮ ቃልሲ ከም ዝተዓወተ ድሕሪ ምሕባር፡ እቶም ተቓለስቲ ኣብ ዝቆጻጸሩዎ ቦታታት ግብረ-መልሲ ይህቡ ኣለዉ። እቶም ኣምባዞናውያን ብዝብል ስም ዝጽውዑ ተቓለስቲ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ናይቲ ንሳቶም ዝቆጻጸሩዎ ስፍራ ሰዓታት እቶ-እቶ ኣዊጆም ኣለዉ።

ድሕሪ ምእዋጅ ሰዓታት እቶ-እቶ ወታሃደራት መንግስቲ ነቶም ተቓለስቲ ንምድምሳስ ድሕሪ ዝገበሩዎ ተዅሲ ካብ ክልቲኡ ወገናት ከም ዝተቐትሉ ዝበጽሓና ዜና የመልክት።

ኣንጻር ተዛረብቲ ወገን ቋንቋ ፈረንሳ ኣብ 2017፡ ሃገር ንምቛም ቃልሲ ዝጀመሩ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ዛጊት 3500 ዜጋታት ሞይቶም፡ ኣስታት 750,000 ድማ ካብ መንበሪታቶም ተመዛቢሎም ምህላዎም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

XS
SM
MD
LG