ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካሜሮን፤ ግጭት ጓሶትን ገፈፍቲ ዓሳን ኣሽሓት ዜግታት የመዛብል


ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ ኮማዊ ግጭት፡ ካብ ካሜሮን ናብ ጎረቤት ሃገር ጫድ ሃዲሞም ዝተዓቝቡ ዜጋታት 85-ሽሕ በጺሑ ኣሎ። መንግስቲ ካሜሮን ንዜጋታቱ ካብ ጫድ ንምምላስ ልኡኽ ሰዲዱ ኣሎ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ከም ዝጸብጸቦ፡ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ጥራይ ኣስታት 10-ሽሕ ዝበጽሑ ዜጋታት ካሜሮን ብሰንኪ ኣብ መንጎ ጓሶትን ገፈፍቲ ዓሳን ዝተላዕለ ግጭት ናብ ጎረቤት ሃገር ጫድ ሃዲሞም። ካልኦት 15-ሽሕ ዝበጽሑ ድማ ኣብ ውሑስ ዝተባህለ ዓድታት ካሜሮን ተዓቚቦም ኣለዉ።

እቲ ግጭት ቅድሚ ክልተ ሰሙናት ኣቢሉ ኣብ ኦሎምስያ ዝተባህለ ዓዲ ኣብ መንጎ ኣዕራብ ጓሶት ከብቲን ገፈፍቲ ዓሳን’ዩ ተወሊዑ።

ብመሰረት ጸብጻባት መንግስቲ ካሜሮን ብሰንኪ’ቲ ግጭት ዘራእቲ ተቓጺሉ፡ ህዝቢ ተመዛቢሉን ከብቲ ተቐቲለን ተዘሚተንን።

ወኪል ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ካሜሮን ዝዀነ ፓፓ ከይስማ ሲላ ንድምጺ ኣመሪካ ከምዚ ክብል ሓቢሩ፤ "ኣብ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ኢና እንርከብ። ምስ በበይነን ናጻ ናይ ግብረሰናይ ማሕበራትን ከም ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ዩኒሰፍ፡ ኮሚተ ቀይሕ መስቀልን ካልኦት ዝኣመሰላ ትካላት ኴንና ከነተሓባብርን ንሰብኣዊ ሓገዛት ዝኸውን ገንዘብ ከነዋጽእን ኣብ መስርሕ ኣሎና፡” ኢሉ።

ኣብ እንጃምይና፡ ጫድ ኣማሓዳሪ ከባቢ ትሸዓተ ዝዀነ መሓማት ከሪሶ ሳለ ከም ዝገለጾ’ውን ወተሃደራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ጫድ፡ ህዝቢ ነቶም ካብ ኲናት ዝሃድሙ ዘለዉ ጽቡቕ ክቕበሎም መምርሒ ከም ዝሃበ ይነግር። ምስ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ብምዃን’ውን ዘድሊ ቀረባትን መሰረታዊ ጠለባትን ኣብ ምምላእ ከም ዝርከቡ'ውን ሓቢሩ።

እቲ ኣመሓዳሪ ወሲኹ ፡ መታን እቲ ግጭት’ውን ኣብ ጫድ ከይቅጽሉዎ እቶም ሃዲሞም ዝመጹ ተፈልዮም ይቕመጡ ኣለዉ።

ነቶም ሃዲሞም ኣብ ጎረቤት ሃገር ተዓቚቦም ዘለዉ ዜጋታቱ ንምሕጋዝ፡ መንግስቲ ካሜሮን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናብ ጫድ ላዕለዋይ ልኡኽ ሰዲዱ ኣሎ።

ንላለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ካሜሮን መሪሑ ናብ ጫድ ዝተጓዕዘ ሚኒስተር ፖል ኣትናጋ ንጂ፡ ህዝቢ ጫድ ንዜጋታት ሃገሩ ንዝገበረሎም ሰናይ ኣቀባብላ መጒሱ። እቲ ሚኒስተር ወሲኹ፡ እቶም ሃዲሞም ዘለዉ ህዝቢ ንዓዶም ተመሊሶም ምስ ጎረባብቶም ሰላም ክግብሩ ጸዊዑ።

"ብዛዕባ ሰላም፡ ሕብረት፡ ጥምረትን ብሓባር ምንባርን ክንሰብኽ ንኽእል ኢና። ጉዳይካ ብሰላምን ልዙብ መገዲን ምፍታሕ እምበር፡ ብሓይሊ ዝፍታሕ ስለ ዘየሎ፡ ጸገም ምስ ዘጋጥም’ውን ናብ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ብምቕራብ ጉዳይና ክንርኢ ጽቡቕ’ዩ። ገለ ሓረስቶት ወይ ጓሶት መሬት መጋግሃጫይ ተጠቒሞም ኢልካ ክትቅትልን ክትዘምትን ምፍታን ኣብ ሕጋዊ ስርዓት ቦታ የብሉን።”

እቲ ሚኒስተር ወሲኹ ኣስታት 6-ሽሕ ዝዀኑ ሃዲሞም ንጫድ ዝተዓቝብ ዜጋታት ክምለሱ ምስምማዖም ጠቒሱ።

ውሕስነት ጸጥታ ንምሃብ፡ መንግስቲ ካሜሮን ኣብቲ ኣከራኻሪ ቦታታት ወታሃደራት ከቐምጥ ምዃኑ ቃል ኣትይዩ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG