ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካሜሮን ድሕሪ ዘጋጠመ ጽቕጥቕጥ ኣብቲ ስታድየም ዝተመደበ ግጥማት ሰሪዛ


ካሜሮን ድሕሪ ዘጋጠመ ጽቕጥቕጥ ኣብቲ ስታድየም ዝተመደበ ግጥማት ሰሪዛ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:48 0:00

ካሜሮን ድሕሪ ዘጋጠመ ጽቕጥቕጥ ኣብቲ ስታድየም ዝተመደበ ግጥማት ሰሪዛ

ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃን ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ካሜሮንን ኣብቲ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝካየደሉ ስታዲየም ያውንዴ ዘጋጠመ ሓደጋ መርመራ ክግበር ኣዚዙ ። እቲ ኣብ መንጎ ካሜሮንን ኮሞሮስን ኣብ ስታዲየም ኦሌምቤ ዝካየድ ግጥማት ንምርኣይ ልዕሊ ዓቀን ደገፍቲ ነቶም ብኣማኢት ዝቁፀሩ ፖላስ ጥሒሶም ንምእታው ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ብዝተፈጥረ ምጽቕቃጥ ሞትን መቁሰልትን ከምዝጋጠመ ተፈሊጡ'ሎ ።

ካብ ሞንጎ እቶም በቲ ኩነታት ወረ ስድረኦም ክረኽቡ ናብ ሆስፒታል ሜሳሲ ዝመፁ ሓደ ወዲ 27 ዓመት ነጋዳይ ፕሮስፐር ቺንዶ ይርከቦም ። ንሱ ነቲ ፀወታ ክዕዘቡ ናብቲ ስታዲየም ዝኸዱ ኣኩኡን ክልተ ደቁን ሃለዋቶም ክፈልጥ ከምዘይከኣለ ይዛረብ ።

“ስጋብ ሕጂ ሸውዓተ ሆስፒታላት በፂሐ እየ ክረኽቦም ግን ኣይከኣልኩን። ብዛዕበኦም ንፖሊስ ሓቲት ክሕግዙኒ ግን ኣይከኣሉን ፣ እንታይ ክግበር ከምዘለኒ ኣይፈልጥን።”

እቲ ኣብ ስታዲየም ኦሌምቤ ዘጋጠመ ሓደጋ መበገሲኡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ካሜሮንን ኮሞሮስን ዝካየድ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንምርኣይ ደገፍቲ ብኣማኢት ንዝቁ፟ፀሩ ፖላስ ብሓይሊ ጥሒሶም ንምእታው ብምፍታኖም እዩ ።

ከም ሓበሬታ ሰበስልጣን ካሜሮም ሽዱሽተ ሰባት ሽዑንሽዑ ክሞቱ ከለዉ ክልተ ግና ናብ ሆስፒታል እናተወስዱ ኣብ መገዲ ምሟቶም ገሊፆም ።

ወሃብ ቃል መንግስቲ ኣብዘውፀኦ መግለፂ ከምዝበሎ 38 ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ከምዝቖሰሎ ካብኣቶም ድማ ሸውዓተ ኣብ ማእከላይ ሆስፒታል ያዉንዴ ኣብ ዘስግእ ኩነታት ከምዝርከቡ ሓቢሩ ።

ሚኒስትር ጥዕና ካሜሮን ነቶም ቁሱላት ኣብ ሆስፒትታል ድሕሪ ምብፅሑ ፕረዚደንት ፖል ቢያ ብዘይገለ ክፍሊት ክሕከሙ ምእዛዞም ተዛሪቡ ።

ተፃዋታይ ሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ካሜሮን ፋይ ኮሊንስ በቲ ዝወረደ ሓደጋ ህይወቶም ዝሰኣኑ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ ።

“ሰበስልጣናት ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ደጊሙ ንከየጋጥም ቀዲሞም ክወስድዎ ዝግባእ ነገር ክገብሩ ተስፋ ይገብር ። በዚ ኩነታት ስድረኦም ንዝሰኣኑ ፅንዓት ይሃቦም ይብል ። ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ።"

ፕረዚደንት ቢያን ኮፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃን በብወገኖም መበገሲ እዚ ሓደጋ ክምርመር ኣዚዞም ።

እቲ ስታዲየም ዝበዝሐ 40,000 ተዓዘብቲ ክሕዝ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ኮይኑ ኣብቲ ትማሊ ዝነበረ ግጥም ግና ከባቢ 57,000 ተዓዘብቲ ሒዙ ከምዝነበረ ሰበስልጣናት ይሕብሩ ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰበስልጣናት ካሜሮን ክታበት ዘይወሰደን ካብ ኮቪድ ነፃ ዝብል ውፅኢት መርመራ ዘይሓዘን ሰብ ናብ ስታዲየም ክኣቱ ኣይኽእልን ክብሉ ብዘውፅእዎ መምርሒ ብዙሕ ተዓዛባይ ኣይክህሉን ዝብል ገምገም ካምዝነበሮም ዝዝከር እዩ ። ብምዃኑ ድማ ካሜሮን ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ክኽተቡን ክምርመሩን ዘተባብዕ ወፍሪ ኣካይዳ እያ። ብዙሓት ድማ ንግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ንምርኣይ ተግቢሮሞ እዮም ።

ብኣንፃሩ ድማ ብኣሻሓት ዝቁ፟ፀሩ ክምርመሩ ኮነ ክኽተቡ ዘየፍቀዱ ተዓዘብቲ ብሓፁር እናዘለሉ ናብቲ ስታዲየም ምእታዎም ሚኒስትሪ ስፖርት ሓቢሩ።

ካሜሮን ነቲ ካብ ተነጸልቲ እትብሎም ሓይልታት ተፃባእቲ ውሽጢን ለበዳ ኮቪድን ዘሎ ስግኣታት ተፃዊራ 9 ጥሪ ጀሚሩ ለካቲት 6,2022 ዝዛዘም ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ተካይድ ኣላ ።


XS
SM
MD
LG