ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካሜሮን ነቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ለበዳ ሕማም ሸሮኽ ንምቁጽጻር ትቓለስ


ካሜሮን ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ን6,000 ሰባት ዘሕመመን ንኣስታት 100 ሰባት ዝቐተለን ለበዳ ሕማም ሸሮኽ ንምቁፅፃር ትቃለስ ኣላ። ፕረዚደንት'ታ ሃገር ፖል ቢያ ንሚንስትራት ጥዕናን ማይን ናብቶም ዝተጎድኡ ከባቢታት ብምልኣኽ እቲ ሕማም ከይሰፍሕ ንምክልኻል ንሕሙማት ይውሽቡ ኣለው።

ሚንስትሪ ጥዕና ካሜሮን ብዝሒ ሕሙማት ሸሮኽ ኣብ ሆስፒታላት ይውስኽ ምህላው ይገልጽ።

እቲ ሚንስትሪ ወሲኹ ብዙሓት ብሸሮኽ ዝሓመሙ ሰባት ናብ ሆስፒታል ኣይኸዱን ኣብ ክንድኡ ባህላዊ መድሃኒታት'ዮም ዝወስዱ ዘለው ይብል።

ሚንስተር ማይ ጋስቶን ኤለውንዱ ሰበስልጣን በቲ ሕማም ናብ ዝተጠቕዓ ገጠራትን ነኣሽቱ ከተማታትን ፅሩይ ማይ የቕርቡ ምህላዎም ሓቢሮም።

ካሜሮን ብተደጋጋሚ ብለበዳ ሸሮኽ ትጥቃዕ።ኣብ 2011 ልዕሊ 23,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ተጠቒዖምን ልዕሊ 800 ሰባት ድማ ምሟቶም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG