ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካሜሮን ብዘጋጠማ ምዕልቕላቕ ውሕጂ ምስ ጎረቤታ ናይጀርያ ዝካየድ ንግዲ ምዕንቓፉ ትገልጽ


ካሜሮን ናይጀርያን
ካሜሮን ናይጀርያን
ኣብ ምዕራባዊ ካሜሩን ብዘጋጠመ ዝለዓለ ኾይኑ ዝተመዝገብ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ብዉሑዱ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም።ብተወሳኺ ኣባይቲ ፈሪሱን ንሰደድ ዝተዳለወ ብኣሽሓት ቶናት ዝቑጸር መግቢ ምብልሻው ሰበ-ስልጣን'ታ ሃገር ሓቢሮም።
ሓረስቶትን ነጋዶን ቀልጢፉ ዝበላሾ ዓይነታት መግቢ ብሰንኪ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጂ መንገዲ ብዘይምህላው ክበላሾ ከምዝጀመረ ይገልጹ'ለዉ።
ማሕበረሰባብ ነጋዶ ነቲ ካብ ወረዳ ዊዲኩም ዘውጽእ መንገዲ በኣእማን ብምምላእ መውጺኢ ንምፍጣር ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ሓገዝ ክግበረሎም
ይሓቱ'ለዉ።
መንግስቲ መግብን ማይን ንዘድልዮም የቅርብ ከም ዘሎ ብምግላጽ ሰባት ኣብ ሓደገኛ ቦታ ከየዕቁቡ ይመክር ከም ዘሎ ገሊጹ'ሎ።
XS
SM
MD
LG