ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካሜሮን ሃድን ንጨወይቲ ተሐይል


ካሜሮን ካብ ጎረቤት ሃገር ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ እናሰገሩ ዜጋታት ንዝጨውዩ ዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለ ንምህዳን ተስርሕ ከም ዘላ ወኪልና ካብቲ ቦታ ሓቢሩ። እቶም ዕጡቓት፡ መብዛሕትኦም ነጋዶ፡ ሓረስቶትን ንመጋሃጫ ዝመጹን ምዃኖም ክሳብ ሕጂ 35 ሰለማውያን ዜጋታት ጨውዮም ኣለዉ።

ሰራዊት ካሜሮን ብሰኑይ ናብ መዳውብቲ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ ኣብ ዘሎ በረኻታት ብምውፋር ነቶም ዝተጨውዩ ዜጋታት ናጻ ክግበሩ ወፍሪ ገይሮም።

ኮሎነል ንጆካ "ኣብቲ ቦታ ምስ በጻሕና ምምጻእና ስለ ዝፈለጡ ተዅሲ ከፊቶም። ንሕና’ውን መሊስና ድሕሪኡ ሃዲሞም ከይዶም። ቅድሚ ምህዳሞም ከኣ ሓደ ካብቶም ጅሆ ቀቲሎም ንኻልእ ድማ ኣቝሲሎም፡ ጸኒሑ’ውን ሞይቱ። ካብቶም ዘድሓናዮም ሸውዓተ ግን እቶም ሓሙሽተ ብሰላም ኣትዮም። ህዝቢ ክተሓባበርን ዘድሊ ሓበሬታ ከካፍልን ድማ ንምሕጸን፡”ይብል።

ገለ ካብቶም ዕጡቓት ናብ ጎረቤት ሃገር ክሰግሩ እንከለዉ፡ ካልኦት ግን ኣብ ውሽጢ ካሜሮን ተሓቢኦም ምህላዎም ድማ ኮሎነል ንጆካ ይገልጽ።

ሰብ-መዚ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ እቲ ኲናት ከም ዝወሰኸ የመልክቱ።

ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ከም ዝገልጾ ግን እቶም ዝተደፍኡ ዕጡቓት ኣብ ከባቢ ዶባት ካሜሮን ተሓቢኦም ምህላዎም’ዩ። ንሳቶም እንኮላይ ንርእሰ-ከተማ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ ዝዀነት ብጁምብራ ንምቍጽጻር’ውን ፈቲኖም’ዮም።

ከም ሓበሬታ ሰብ-መዚ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ እቶም ዕጡቓት ናብ ካሜሮን ዝሰግሩሉ ምኽንያት ካብ መጥቃዕቲ ንምህዳምን ጨውዮም ገንዘብ ንምኽዕባትን’ዮም።

በቶም ዕጡቓት ዝተጨውዩ ዜጋታት ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ክኸፍሉ ከም ዝተነግሮም ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ካሜሮን 900 ኪሎ-ሜተር ዝዝርጋሕ ዶባት ምስ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣለዋ። ብሰንኪ ኣብ 2013 ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ሕንፍሽፍሽኝ ዘይርጉእነትን ድማ ሚልዮናት ዜጋታት እታ ሃገር ንድሕነቶም ክብሉ ናብ ከም በዓል ካሜሮን፡ ጫድ፡ ኮንጎን ናይጀርያን ዝኣመሰላ ሃገራት ተሰዲዶም ይርከቡ።

XS
SM
MD
LG