ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካሜሮናውያን ብዕጡቓት ቦኮ-ሓራም ንዝወርዶም መጥቃዕቲ ሓገዝ ይጠልቡ


አባላት ምላሽ ወሃቢ ሰራዊት ካሜሮን -ፋይል

ኣብ ዶባት ካሜሮንን ጫድን ዝርከቡ ነበርቲ ካሜሮን፡ መንግስቶም ዝግባእ ግብረ-መልሲ ብዘይ ምሃቡ፡ ንመዓልታት ዝቐጸለ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ።

እቶም ነባሮ፡ ብዕጡቓት ቦኮ-ሓራም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙናት ጥራይ 35 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉዎም ከመልክቱ እንከለዉ፡ ብወገን መንግስቲ ግን ማዕረ’ቲ ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕቲ ግብረ-መልሲ ከም ዘይተራእየ መረሮም የስምዑ ኣለዉ።

ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ፡ ዕጡቓት ቦኮ-ሓራም ንብረት ከይዘረፉን ህዝቢ ከየጓሰቖሉን ዝሓለፉላ መዓልቲ ደኣ ኣይትሃሉ እምበር፡ ብወገን መንግስቲ ግን ነቲ ዓመጽ ደው ንምባል ዝተገብረ ስራሕ ዛጊት የሎን ይብሉ።

ጠለብ ህዝቢ፡ ዝያዳ ወተሃደራት ኣብቲ ቦታ ምውፋር’ዩ። መንግስቲ ካሜሮን ግን ክዕገሱን ነቶም ዕጡቓት ኢዶም ንምሃብ ይሰርሕ ከም ዘሎን ይሕብር።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG