ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካሜሩን ናብ ዝቕጽል ዙር ዋንጫ ኣፍሪቃ ሓሊፋ


ካሜሩን ተተኣናግዶ ዘላ ዋንጫ ኣፍሪቃ፣ ዛጊት ናብ ቀጻሊ ዙር ግጥም ኣውዲቅካ ምሕላፍ 16 ጋንታታት ዝበቅዐት ትማሊ ንጋንታ ኢትዮጵያ ብሰፊሕ ኣፈላላይ 4 ን1 ዝሳዓረት ጋንታ ካሜሩን ጥራሕ እያ።

ኣብ ካልኦት ምድባት ዘለዋ ጋንታታት ገና ኣይፈለየለንን ዘሎ። ሎሚ ማላዊ ንዚምባብዌ 2 ን 1፣ ሞሮኮ ንኮሞሮስ 2 ን 0 ስዒረን ኣለዋ። ጋቦንን ጋናን ሳልሳይን ዛዛሚን ግጥም ናይ ሎሚ ይጽበየን ኣሎ። ብሞሮኮ ዝተሳዓረት ጋና ናብ ቀጻሊ ዙር ክትበጽሕ እንተኾይኑግድን ክትዕወት ኣለዋ ።

ጽባሕ ቀዳም ፣ ናይጀርያ ምስ ሱዳን፣ ጊኒ ቢሳው ምስ ግብጺ። ሰንበት፣ ኣርባዕተ ግጥማት ክህሉ እዩ። ጋምቢያ ምስ ማሊ፣ ቱኒስያ ምስ ማውሪታንያ፣ ኣይቮሪኮስት ምስ ሴራልዮን፣ ኣልጀርያ ምስ ኢኳቶርያል ጊኒ።

ናብ ግጥም ኣውዲቅካ ምሕላፍ ዘይበቅዓ ከክልተ ጊዜ ዝተሳዓራ ሃገራት ይፍለጣ ኣለዋ። ካብ ምድብ ሓደ ኢትዮጵያ፣ ካብ ምድብ ክልተ ዚምባብዌ።

XS
SM
MD
LG