ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 ካሕሳ ዝጽበዩ ስድራቤታት ላቲን ኣመሪካ ኣብ ካልእ ሻቕሎት 


መንግስቲ ኣመሪካ፡ ነቶም ብፖሊሲ ምምሕዳር ትራምፕ ተፈላልዮም ዝጸንሑ ስድራቤታት ደቡብ ኣመሪካ ካሕሳ ክህቦም ምዃኑ ኣብ ዝተነግረሉ፡ እቶም ካሕሳ ክቕበሉ ዝጽበዩ ዘለዉ ስድራቤታት ግዳይ ምፍርራሕን መጭወይቲን ይዀኑ ምህላዎም ተፈሊጡ።

ዝሓለፈ ወርሒ ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ነቶም ካብ ስድራቤቶም ዝተፈላለዩ ዜጋታት ደቡብ ኣመሪካ፡ ብዝወረዶም ስነ-ኣእሙራዊ ሃስያ፡ ካሕሳ ክኽፈሎም ምዃኑ ጠቒሱ። መጠን እቲ ክፍሊት ዛጊት ኣይተሓበር ደኣ’ምበር፡ ነቲ ፖሊሲ ዝቃወሙ ኣመሪካውያን ግን ምምሕዳር ባይደን ኣማኢት ኣሽሓት ንነፍሲ-ወከፍ ሰብ ክኸፍል’ዩ ዝብል ምጕት ኣልዒሎም። እቲ ወረ ብቕልጡፍ ናብቶም ኣብ ምጭዋይ ሰባት ዝዋፈሩ ሸፋቱ ማእከላይ ኣመሪካ ስለ ዝበጽሐ፡ ነቶም ካሕሳ ክቕበሉ ትጽቢት ዝገብሩ ዘለዉ ስድራቤታት ድሮ ኣብ ጠመተ ከእትዉዎም ጀሚሮም ኣለዉ።

ተወላዲት ሆንድራስ ዝዀነት፡ ንድሕነታ ስማ ክዕቀበላ ዝሓተት ጓል 30 ዓመት ኣደ፡ ምስቲ ብምምሕዳር ትራምፕ ዝተኻየደ ምፍልላይ፡ ምስ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ውላዳ ክትራኸብ በቒዓ’ያ። ሕጂ ኣብ ሰሜን ካሮሊና ኣብ ስራሓት ህንጻ እትነጥፍ ዘላ ዜጋ፡ ጠበቓታት ብዛዕባ ዝወሃባ ካሕሳ ኣብ ምጽፋፍ’ዮም ዘለዉ። እትቕበሎ ካሕሳ ክንደይ ምዃኑ ገና ኣይፈለጥ ደኣ’ምበር፡ ኣብ ሆንድራስ ዝርከቡ ስድራቤታ ግን ብሸፋቱ፡ ኣብ ወርሒ ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ክኸፍሉ ተሓቲቶም ኣለዉ።

እዛ ኣደ ከም እትገልጾ፡ ብኣረዳድኣ እቶም ኣብ ሃገራ ዘለዉ ተራ ሰባት ሕጂ ሚልዮናት ኢያ እትውንን። እንተዀነ ይትረፍ እቲ ዝተሓተተቶ መጠን ከተምጽእ’ስ ውሑድ ገንዘብ’ውን ከም ዘይብላን እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ኣብ ጭንቀት ከም ዘላን ትገልጽ።

ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ፡ ከምዚ ዝመስል ተርእዮታት ኣዝዩ ዝውቱር ምዃኑ ብዙሓት ይዛረቡ። ካብ ፈለማኡ ንብዙሓት ዜጋታት’ቲ ዞባ ንፖለቲካዊ ዑቝባ ክሓቱ ዝድርኾም’ውን ከምኡ ዝመስል ስእነት ጸጥታ ምዃኑ ይንገር። ጠበቓ እዛ ዝተጠቕሰት ኣደ እምበር፡ ስድራቤታ ንቐጻሊ ምጕስቓል ተቓሊዖም ስለ ዝርከቡ ኣብ ኣመሪካ ዑቕባ ክወሃቦም ኣብ ምሕታት ይርከብ።

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ንዎል ስትረት ጆርናል (Wall Street Journal) ብምጥቃስ በቲ ምፍልላይ ስድራቤታት ንዝተጸልዉ ስድራ ንስድራቤትን እቲ ህጻንን ብድምሩ 900 ሽሕ ዶላር ካሕሳ ክወሃቦም ኣብ ዝርርብ ከም ዘሎ የመልክት። እቲ ኣሃዝ ግን ገና ኣይጸደቐን ዘሎ።

እቲ ዜና ምስ ተዘርግሐ፡ ኣብ ፍጹም ራዕዲን ቀጻሊ ምፍርራሕን ዝኣተወ ወዲ47 ዓመት ዜጋ ጓቲማላ ዝዀነ ኣቦ’ውን ተመሳሳሊ ዛንታ’ዩ ዝነግር። እቲ ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ኣቦ፡ ካብ ሸፋቱ ቀጻሊ ናይ ቴለፎን ጻውዒትን መልእኽቲ ጽሑፍን ይቕበል ከም ዘሎን ካብ ኣባላት ስድራቤቱ ክጨውዩ ይዳለዉ ምህላዎምን ይሕብር። እቲ ኣቦ ምስ ጓል 14 ዓመት ጓሉ ኣብ ጓቲማላ ክህሉ እንከሎ፡ በዓቲ-ቤቱ ድማ ምስቲ ተፈልያቶ ዝጸንሐት ወዳ ሓቢራ ኣብ ኣትላንታ ኣመሪካ ትርከብ።

እቲ ኣቦ ብዛዕባ’ቲ ካሕሳ ምስ ተወርየ፡ ፈጺሙ ቀሲኑ ከም ዘይሓደረን ዝረኸቦ ሰብ ድማ ከም ዝሃብተመ ክነግሮ ኣብ ተወሳኺ ጭንቀት ከም ዝተሸመመ ይሕብር ።

ሪካርዶ ደ ኣንዳ ጠበቓ ናይ 72 ካሕሳ ዝጽበዩ ዘለዉ ስድራቤት’ዩ። ሓሙሽተ ካብቶም ዝውክሎም ስድራቤታት ድሮ ምፍርራሕ ከም ዝጐነፎምን ሓደ’ውን ኣብ ጓቲማላ ፈተነ መጭወይቲ ከምዘጋጠሞ ይነግር።

ነቶም ካብ ስድራቤቶም ተፈላልዮም ዝጸንሑ ኣስታት ክልተ ሽሕ ህጻናት እትሰርሕ ሓይሊ-ዕማም ቆይማ ኣላ። ሓደ ካብቲ እዛ ጕጅለ እትገብሮ ዘላ ስራሓት ከኣ ጸጥታ’ቶም ካሕሳ ክቕበሉ ዝዳለዉ ዘለዉ ስድራቤታት ምውሓስ’ዩ። እታ ድሮ ን112 ህጻናት ምስ ስድራቤቶም ኣራኺባ ዘላ ሓይሊ-ዕማም ግን ብዛዕባ ክትህቦ እትኽእል ውሕስነት ዛጊት ኣየነጸረትን።

XS
SM
MD
LG