ዋሽንግተን —
ካልኦት ፓርቲታት ንፓርቲ ብልጽግና ብምኽሳስ ዘይኾነስ አማራጺ ሓሳብ ብምምጻእ ይሞግቱ ክብሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣህመድ ጸዊዖም።
እቶም ቀዳማይ ሚንስትር መንግስቶም ሕግን ስርዓትን ንክኽበር ቆሪጹ’ሎ ክብሉ’ውን ተዛሪቦም።
ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያን ኣቦ መንበር ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዲግ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት ምውህሃድ’ቲ ግንባርን ምምስራት ፓርቲ ብልጽግናን ኣመልኪቶም ሎሚ ኣብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዚ ኢሎም።
“ሓደ ሓደ ሓይልታት እዚ ሓድሽ ፓርቲ ብልጽግና አሃዳዊ ስርዓት ዘምጽእ ፈደራል ስርዓት ዝጥፍእ ብምባል በለካ ለኽዓካ ክዝረቡ ይስማዕ፡ እንተኾነ ኣብ ፕሮግራምና ብንጹር ከምዘቀመጥናዮ ፓርቲ ብልጽግና ሕብረ ብሄራዊን ፈደራላዊት ዲሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ዘሓይልን ዝሃንጽ ደአ እምበር ዘየፍርስ ምዃኑ ብዘረባ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ ፕሮግራም ከይተረፈ ዝተጠቓለለ ምኳኑ እናገለጽና ካልኦት ፓርቲታት ንፓርቲ ብልጽግና ብምኽሳስ ዘይኮነስ አማራጺ ሓሳብ ብምምጻእ ክምጉቱ እጽውዕ" ኢሎም።