ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ንክልተ ሰሙናት ክዕጸዋ ተወሲኑ


ሚኒስትር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ
ሚኒስትር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ

ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ንክልተ ሰሙን ተዓጽየን፣ ተማሃሮን መማህራንን፣ ናብ ውግእ ንዝወፍሩ፣ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ኣገልግሎት ንክልግሱ ከምዝተወሰነ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።

ሚኒስትር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ብመሰረት ሎሚ ዝሃቦ መግለጺ ‘ምስ ክልላዊን ከተማን ምምሕዳራት ብመሰረት ዝተካየደ ምይይጥ፣ ካብ 27 ሕዳር ክሳብ 3 ታሕሳስ፣ ብደረጃ ሃገር፣ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ንክዕጸዋን ተማሃሮን መምህራንን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ንክዋፈሩ ከምዝተወሰነ ተገሊጹ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ካብ ክልል ትግራይ ወጻኢ፣ ካብ ክልል ኣምሓራ ውግእ ኣብ ኣብ ዝተኻየደሎም ከባቢታት፣ ኣብ ልዕሊ 1600 ኣብያተ ትምህርቲ ጉ ድ ኣት ከምዝበጽሓን ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ተማሃሮ ካብ ትምህርቲ ከምዝቦኸሩ ምክትል ሚኒስትር ትምህርቲ ዶ/ር ሳሙኤል ክፍለ ገሊጾም።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ዓመት ብሰንኪ ዝቀጸለ ውግእ፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ’ውን ዝገደዶ ግጭት፣ ብዘይካ ትካላት ትምህርቲ፣ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘስዓበ፣ ብሰንኪ’ቲ ውግእ፣ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ልዕሊ 9.5 ሚልዮን ህዝቢ ከምዝበጽሐ ሕ/ሃ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

XS
SM
MD
LG