ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካልኣይ ዙር ፌስትቫል ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ


ካልኣይ ዙር ፌስትቫል ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ሎሚ ኣማስዩ ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ:: ኣብቲ ፌስቲቫል ልዕሊ 2000 ካብ መላእ ዓለም ዝመፁ ተወለድቲ ትግራይ ከምዝተሳተፉ ተገሊጹ’ሎ::

ኣብ መኽፈቲ ስነስርዓት እቲ ፌስቲቫል ዝተረኸቡ ምክትል ምምሕዳር ዶ/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ሎሚ ዓመት ይካየድ ዘሎ ፌስቲቫል ተጋሩ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝኣተወትሉ: ተጋሩ ድማ ብመንነቶም መጥቓዕቲ ዘጋጥሞም ዝካየድ ዘሎ ኢሎም::

ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ዝረጋገፅ ብተጋሩ ጥራሕ እዩ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ኣብዚ ጉዳይ ድማ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ተጋሩ ግደኦም ከበርክቱ ፀዊዖም:: ብተወሳኺ ምዕብልቲ ትግራይ ኣብ ምፍጣር ግደ ዳያስፖራ ልዑል እዩሞ ትፅቢት ዝግበረሎም ክፍፅሙ ይግባእ ኢሎም::

ተሳተፍቲ እቲ ፌስቲቫል ፅባሕ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ጠሚቱ ክዝትዩ እዮም:: እቲ ፌስቲቫል ክሳብ 30 ሓምለ 2011 ክፀንሕ እዩ:: ቀደማይ ፌስቲቫል ተጋሩ ዳያስፖራ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ከተማ መቐለ ምክያዱ ይዝከር::

XS
SM
MD
LG