ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካልኣይ ዙር ፌስቲቫል ተወለድቲ ትግራይ ይኻየድ’ሎ


ካልኣይ ዙር ፌስቲቫል ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ:: ኣብ መኽፈቲ ስነስርዓት እቲ ፌስቲቫል ዝተረኸቡ ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ዝረጋገፅ ብተጋሩ ጥራሕ እዩ ብምባል ኣብዚ ጉዳይ ድማ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ተጋሩ ግደኦም ከበርክቱ ፀዊዖም::

ካልኣይ ዙር ፌስቲቫል ተወለድቲ ትግራይ ይኻየድ’ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:56 0:00

እቲ ፌስቲቫል ክሳብ 30 ሓምለ 2011 ዓ. ም ክፀንሕ እዩ:: ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ መኽፈቲ ዘስምዕዎ መደረ ሎሚ ዓመት ይካየድ ዘሎ ፌስቲቫል ተጋሩ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝኣተወትሉ: ተጋሩ ድማ ብመንነቶም ኣብ ዝጥቅዕሉ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ ኢሎም:: ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ዝረጋገፅ ብተጋሩ ጥራሕ እዩ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ኣብዚ ጉዳይ ድማ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ተጋሩ ግደኦም ከበርክቱ ፀዊዖም:: ተጋሩ ዲያስፖራ ንእዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ተረዲኦም ቃልሲ የካይዱ ኣለዉ እዚ ድማ ዝምስገን ስራሕ እዩ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን፥ “ሐዚ 'ውን ካብ ከቢድ ፀገም ስለዘይወፃእና ሓገዝኩም ኣሓይልኹም ቀፅሉ”ኢሎም::

ብተወሳኺ እቶም ምክትል ምምሕዳር ምዕብልቲ ክልል ትግራይ ኣብ ምፍጣር ግደ ዳያስፖራ ልዑል እዩሞ ትፅቢት ዝግበረሎም ክፍፅሙ ይግባእ ኢሎም:: ኩሉ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብር ተወለድቲ ትግራይ ብዘለዎ ዓቕሚ ገንዘብ ዘለዎ ብገንዘቡ ፍልጠት ዘለዎ ብፍልጠቱ ጉልበት ዘለዎ ድማ ብጉልበቱ ኣብ ልምዓት ትግራይ ክሳተፍ ኣለዎ ኢሎም::

ተሳተፍቲ እቲ ፌስቲቫል ሎሚ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ጠሚቱ ዘተ ኣካይዶም እዮም:: እቶም ተሳተፍቲ ፅባሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ልምዓታዊ ስራሕት ዑደትን ተኸላ ፈልስን ከካይዱ እዮም:: 27 ሓምለ 2011 ዓ.ም ጉባኤ ማሕበራት ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካን ኣዉሮጳን ዝካየድ ኮይኑ: 28 ሓምለ ድማ ብቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ስፖርትን እቲ ክልል ዝዳለው ዓብይ ጉያ ክህልው እዩ::

ብተወሳኺ ኮንፈረንስ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ዝካየድ ኮይኑ መድረኽ ህፃናት ክህልው እዩ። እቲ ፌስቲቫል “ሓድነት ዲያሰፖራ ተጋሩ ንሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ!” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ ክሳብ 30 ሓምለ 2011 ክፀንሕ እዩ:: ንድምቀት እቲ በዓል፡ ዓውደ ምርኢትን ንግዲን እውን ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ተኸፊቱ ንኣጋይሽ ክፉት ኮይኑ'ሎ:: ቀዳማይ ፌስቲቫል ተጋሩ ዳያስፖራ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ከተማ መቐለ እዩ ተኻይዱ ነይሩ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ካልኣይ ዙር ፌስቲቫል ተወለድቲ ትግራይ ይኻየድ’ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:01 0:00

XS
SM
MD
LG