ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካልኣይ ዙር ምምላህ ግድብ ህዳሴ ተዛዚሙ


ካልኣይ ዙር ምምላህ ግድብ ህዳሴ ሎማዕንቲ ምዝዛሙ ተገሊፁ።ብኽልተ ተርባይናት ሓይሊ ምምንጫው ከምዝክኣል እውን ተሓቢሩ ኣሎ።ናይ ኢትዮጵያ ምንስቴር ማይ፣መስኖን ኢነርጅን ዶክተር ስለሺ በቀለ ናይ ክረምቲ ዝናብ ዝለዓለ ብምዃኑ እቲ ግድብ ብቅልጡፍ ከመልእ ከምዝኽኣሎ ብምሕባር ድሕሪ ሕዚ ክሳብ ዝቕፅል ሰለስተ ኣዋርሕ ሓይሊ ናይ ምምራት ቀፃሊ ዕማም እዩ ኢሎም።

ካልኣይ ዙር ምምላእ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ሎሚ 12 ሓምለ 2013 ዓ\ም ምዝዛሙ ዕላዊ ኮይኑ ኣሎ።እቲ ግድብ መሊኡ ብዝባኑ ክፈስስ ከሎ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ዝተዓዘቡ ናይ ኢትዮጵያ ምንስትሪ ማይ፣ መስኖን ኢነርጅን ምንስተር ዝኾኑ ዶክተር ስለሺ በቀለ ብኽልተ ተርባይናት ሓይሊ ምምንጫው ክጅምር ዘኽእሎ እዩ ኢሎም።

‘’ንኩሎም ኢትዮጵያዊያን እንኳዕ ሓጎሰኩም ክብል እደሊ’’ ዝበሉ ንሶምሎሚ ካብ ንጉሆ ጀሚሩ ቀስ ብቐስ እናመልአ ሕዚ ብዝባን እናፈሰሰ እዩ ዘሎ ኢሎም። ‘’ብኽልተ ተርባይናት ሓይሊ ንምፍራይ ዘኽእለና መጠን ማይ ምሉእ ብምሉእ ክንሕዝ ኣኽኢሉና ኣሎ’’ ኢሎም ።

ናይ ክረምቲ ዝናብ ዝለዓለ ብምዃኑ እቲ ግድብ ብቅልጡፍ ከመልእ ኣኽእሊዎ እዩ ኢሎም ብምዋኽ።

ብሰንኪ እዚ ግድብ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ዝለዓለ ዘይርምድዳእ ኣሎ። ታሕተዎት ተፋሰስ ግብፅን ሱዳንን ሕፅረት ማይ ሓዊሱ ጉድኣት ክወርደና እዩ ክብላ ብተደጋጋሚ ይገልፃ።ግን እቲ ግድብ ይመልእ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዋሕዚ ናይቲ ማይ ኣይተሰናኸለን ጥራሕ ከይኮነስ ክፍጠር ዝነበረ ምዕልቕላቕ ክተርፍ ገይሩ እዩ ኢሎም።

ንሓዋሩ እውን ሚዛናዊነት ዋሕዚ ናይቲ ማይ ብምዕራይ ንታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ዝዓበየ ረብሓ ክህልዎ እዩ ኢሎም ብምውሳኽ።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል

ካልኣይ ዙር ምምላእ ግድብ ህዳሴ ተዛዚሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:55 0:00


XS
SM
MD
LG