ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካልኣይ ኮንፈረንስ ምሁራን ትግራይ ይካየድ'ሎ


ካልኣይ ኮንፈረንስ ምሁራን ትግራይ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ። እቲ ኮንፈረንስ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝፀንሕ ኮይኑ “ትግራይ ሐዚኸ ናበይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ’ዩ ዝካየድ ዘሎ:: ኣብቲ ትማሊ ዝተጀመረ ካልኣይ ኮንፈረንስ ምሁራን ትግራይ ኣብ ጉዳይ ምሕደራ፣ ጥዕና፣ ትምህርቲ: ቴክኖሎጂን ካልኦት ጉዳያትን ጠመተ ዝገበሩ ኣብ 14 ዓውድታት ዝቐረቡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ብተሳተፍቲ ዘተ ይካየደሎም ኣሎ::

“ትግራይ ሐዚኸ ናበይ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይካየድ ዘሎ ኮንፈረንስ ዝኸፈቱ ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል “ትግራይ ንምልዋጥን ፀገም ህዝቢ ንምፍታሕ ካብ ስምዒትን ዕግርግርን ወፂኢና ብስርዓትን ብሓድነት ክንሰርሕ ይግባእ” ኢሎም:: ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ፈላማይ ኮንፈረንስ ምሁራን ትግራይ ቀሪቦም ካብ ዝነበሩ መፅናዕትታት ተጠቃሚነት ሕብረተሰብ ንምርግጋፅ ናብ ተግባር ዝተሰጋገሩ ከምዘለው ድማ ገሊፆም::

ንሶም ብተወሳኺ ኣብ ፍልጠት ዝተመሰረተ ዕብየት ክመፅእ ምሁራን ግደኦም ከበርክቱ ይግባእ ኢሎም። ዶክተር ደብረፅዮን ምሁራን ተጋሩ ብተወፋይነት ንህዝቢ ትግራይ ንምግልጋል ቆሪፅኩም ተላዒልኩም ኣለኹም እሞ ምስጋና ይግበአኩም ኢሎሞም:: መንግስቲ ክልል ትግራይ’ውን ኣብ መፅናዕቲ ዝተደረኸ ልምዓት ከምዝፍፅም ዝገለፁ ዶክተር ደብረፅዮን መንግስቶም እቶም ምሁራን ንዘካይድዎ መፅናዕቲ ሓገዝ ከምዝገብር ቃል ኣትዮም።

ዶ/ር ደብረጽየን ቀጺሎም ሰላም ክልል ትግራይ ቀንዲ ዋኒንና እዩ: ሰላም ክልል ትግራይ ውሑስ ብምዃኑ ድማ ወፍሪ ትግራይ ይውስኽ ኣሎ ኢሎም። ፕረዚዳንት ኮሚቴ ዓለምለኸ ምሁራን ትግራይ ዶክተር ገብረኪዳን ገብረስላሰ ኣብኩሉ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ምሁራን ትግራይ ቅድሚ ሓደ ዓመት ተወዲቦም ዝጀመርዎ ምንቅስቓስ ለውጢ የምፅእ ኣሎ ኢሎም። ብፍላይ ኣብ ፍልጠትን ቴክኖሎጂን መሰረት ዝገበረ ማሕበረሰብ ብምፍጣር ኣብ መድረኽ ዓለም ተወዳዳሪ ዕብየት ምምዝጋብ ይከኣል እዩ ኢሎም::

ብኻልእ ዜና መንግስቲ ትግራይ ካብ ህዝቢ ሓገዝ ገንዘብ ብዝሓተቶ መሰረት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ እቶት መተኣኻኸቢ መድረኽ 540 ሚልዮን ብር ዝተረኸበ ኮይኑ ትማሊ ድማ ካልኣይ ዙር ቴሌቶን ተኻይዱ 116 ሚልዮን ብር ንምብርካት ቃል ተኣትዩ እዩ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ካልኣይ ኮንፈረንስ ምሁራን ትግራይ ይካየድ'ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:26 0:00

XS
SM
MD
LG